ሞሮኮን ስጳኛን ኣብ ምድቓቕ መርበባት ዘይስሩዕ ስደት ዘካይደኦ ዘለዋ ቃልሲ ንዋሕዚ ስደተኛታት የጉድል

ቊጽሪ ናይቶም ካብ ሞሮኮ ተበጊሶም ናብ ስጳኛ ዝኣትው ስደተኛታት ብሰንኪ እተን ሃገራት ኣብ ምድቓቕ መርበባት ዘይስሩዕ ስደት ዘካይደኦ ዘለዋ ሓባራዊ ቃልሲ ብልዕሊ ፍርቂ ነክዩ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ብመሰረታ እዋናዊ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ..ኤም) ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ናብ ስጳኛ ዝኣተው ስደተኛታት 820 ኮይኖም፡ እዚ ኣሃዝ ካብቲ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገበ 1,700 ብልዕሊ ፍርቂ ምንካዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ሰብ መዚ ሞሮኮ ኣብ ምድቓቕ እተን ህይወት ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘእትዋ ዘለዋ መርበባት ኣሰጋገርቲ ብዝለዓለ ይሰርሑ ኣለው። 2 ግንቦት 2019, ኣሃዱታት ጸጥታ እታ ሃገር ብዘካየድዎ ስርሒት ሓሙሽተ ኣባላት ናይ ሓደ መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኸእትዉ እንከለው፡ ልዑል መጠን ገነዘብን ተሽከርከርቲን ጀላቡን ዝርከብዎም ናይ መሰጋገሪ ንብረትን መንዚዖም።

ሓደ ካብቶም ዝተኣስሩ ኣብ ምስልሳል ዘይስሩዕ ስደት ከምዝተሓጋገዝ ዝተኣመንሉ መራሒ መኪና ኮይኑ፡ ካብ ሃገራት ሳሕለሳሃራ ንዝኾኑ ሓሙሽተ ስደተኛታት ናብ ሰሜናዊ ክፋል ሞሮኮ እንዳግዓዘ እዩ ተታሒዙ።

ብተወሳኺ ስጳኛ፡ ዝተራቐቐ ውዳቤ ከምዘለዎ ንዝተነግረሉ ኣህጉራዊ መርበብ ዘይስሩዕ ስደት ኣዳቒቓ ኣላ። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዘይሕጋዊ ንጠፈት ዝተዋፈረ መርበብ ልዕሊ 350 ስደተኛታት ካብ ሞሮኮ ናብ ስጳኛ ዘስገረ እዩ። ስደተኛታት ኣብ ምዕዋቱ ዘየተኣማምንን ዘይውሑስን ጉዕዞ ነቲ መርበብ ክሳዕ 20,000 ኤሮ ክኸፍሉ ምጽናሖም ሰብ መዚ ስጳኛ ይሕብሩ።

መንግስቲ  ስጳኛ ብምትሕብባር ፖሊስ ኤውሮጳን (ኤሮፖል) ክፍሊ ስለያ ሞሮኮን  ንምድቓቕ እቲ መርበብ ከምዘካየዶ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኣብ ስርሒት ከባቢ 18,000 ኤሮን ብርክት ዝበለ ዝተተምየነ ፓስፖርትታትን ከምዝተታሕዘ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ጥልያን ኣብ ማእከላይ መስመር ማእከላይ ባሕሪ ዝካየድ መስርሕ ምድሓን ህይወት ስደተኛታት ደው ኽብል ምግባራን፡ ስደተኛታት ናይ ምዕጋት ዓቕሚ ኣሃዱታት ባሕሪ ሊብያ ምሕያሉን፡ መስመር ሞሮኮስጳኛ ቀንዲ መተሓላለፊ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኮይኑ ምህላዉ እዩ ዝንገር።

ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ኣብ 2018 ናብ ኤውሮጳ ዝበጽሑ 112,000 ስደተኛታት ካብ ሞሮኮ ናብ ስጳኛ ዝኣተው ምንባሮም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ልዑል ቊጽሪ መንግስታት ስጳኛን ሞሮኮን ኣብ ምግታእ ዘይስሩዕ ጉዕዞ ስደተኛታትን ምድቓቕ መርበባት ኣሰጋገርቲን ሓባራዊ ስራሕ ክሰርሑ ከምዝደፍአ ይሕበር። ብዘይካ መንግስቲ ሞሮኮ ናብ ሃገሩ ብዘይሕጋዊ ሰነድ ዝኣትዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እንዳገፈፈ ናብ ደቡባዊ ክፋል ከምዘግዕዞም ይንገር።

TMP – 09/05/2019

ስእሊ፥ Shutterstock /  Riccardo Nastasi

Photo caption: Abandoned migrant boat