ኣብ ኢትዮጵያ ጥርኑፍ ዕማም ዘማልኣ ሓደስቲ ማእከላት ንስደተኛታት ኣገዳሲ ኣገልግሎታት ይህባ
ብመሰረት ሓድሽ ንስደተኛታት ዝምልከት ሕጊ ጥርኑፍ ዕማማት ዘማልኣ ማእከላት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተኸፍታ ንስደተኛታት ኣገዳሲ ኣገልግሎታት ይህባ ኣለዋ።
እታ ቐዳመይቲ ኣብ ቤኒሻንጉል–ጉምዝ ዝተተኽለት ማእከል ኣብ መዓስከር ባምባሲ ንዝርከቡ ስደተኛታትን ተቐማጦ እቲ ኸባብን ከተገልግል እያ። ኣብዛ ጥርኑፍ ኣገልግሎት እትህብ ማእከል እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝቕመጡ ከም ምምዝጋብ ልደት፡ መርዓ፡ ፍትሕን ሞትን ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ጉዳያት ከመዝግቡን ንድሕነት ዝምልከት መመልከቲ ክረኽቡን ሲቪላዊ ስነዳታት ክግበረሎምን እዩ። እታ ማእከል ቀዳመይቲ ካብተን ዝተመደባ ተመሳሰልቲ 27 ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ዝርከባ ጥርኑፍ ኣገልግሎት ዝህባ ቤትጽሕፈታት እያ።
እዚ ጥርኑፍ ኣገልግሎት ኣህብ ማእከል ብሕብረት ኤውሮጳ ተመዊሉ ብላዕለዋይ ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዩኒሴፍ፡ ወኪል ምዝገባ መሰረታውያን ኣጋጣሚታት ኢትዮጵያ፡ ከምኡ ድማ ወኪል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ዘተግበርዎ እዩ። እቲ ማእከል ሰነዳት መረጋግጺ ምዝገባ፡ ወረቐት መንነት፡ ወረቓቕቲ ምስክር ሲቪላዊ ምዝገባ ኣብቲ ሕቶ ዝቐረበሉ ሰዓት ሰሪሑ ይህብ።
“ንስደተኛታትን እቶም ዘአንግድዎም ማሕብረሰብን ኣብ ሓደ ማእከል ኣገልግሎት ብምሃብ፡ እዛ ጥርኑፍ ኣገልግሎት ኣትህብ ማእከል ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ንስደተኛታት ዝተመደብ ኣገልግሎታት ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝቕመጡ ኣአንገድቲ ውን ዘገልግል ክኸውን ናይ ምግባር ስራሕ ዘዐውት፡ ብእኡ ኣቢሉ ድማ እቶም ክልተ ማሕበረሰባት ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ከምዝወሃሃዱ ዝገብር እዩ ይብል ኣብ ኣሶሳ ናይቲ ዞባ ሓላፊ ወኪል ስድተተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ዝዀነ ዐምደወርቅ የኋላወርቅ።
ክሊመንቲን ንክዌታ–ሳላሚ፡ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ “እዚ ጥርኑፍ ኣገልግሎት ዝህብ ማእከልምን እቲ ንሱ ዝህቦ ኣገልግሎታትን ነቲ ልዑል ቁጽሪ ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ወጻኢ ክሰርሑን ክነብሩን ዝህቅን መንግስቲ ዘውጽኦ ካብ መዓስከር ወጻኢ ናይ ምንባር ፖሊሲ ከቃላጥፎ እዩ፡” ትብል።
“እቶም ኣብ መስከር ባምባሲ ዘለዉ ዝርከብዎም ኩሎም ስደተኛታት ነቲ ብደረጃ ሃገር ተፈላጥነት ዘለዎ መረጋገጺ ምዝገባን ወረቐት መንነትን ኣብዚ ጥርኑፍ ኣገልግሎት ዝህብ ማእከል ምስተዋህብዎ፡ ነቲ ኣብ መላእ እዛ ሃገር መንግስቲ ዝቕርቦ ኣገልግሎታት ክጥቀሙሉ ክኽእሉ እዮም።”
ኢትዮጵያ ልዕሊ 900,000 ስደተኛታት ምስ ህዝባ ከተወሃህድ ሕጊ ኣሕሊፋ ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ሃገራዊ ስርዓታት ክትጽንብሮም ትሰርሕ ኣላ። እቲ ተበግሶ ምስቲ ንስደተኛታትን ዘአንግድዎም ማሕበረሰባትን ሓባራዊ ኣገልግሎታት ክቕረብ ከምዘለዎ ዝእምት ኣብ 2018 ኣብ ማራኬሽ፡ ሞሮኮ ዝተበጽሐ ኣህጉራዊ ስምምዕ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ተእሳሲሩ ዝኸይድ እዩ።
TMP – 14/06/2019
ሰኣላይ፦ ኣልቫሮ ቪላንዌቫ / ሻተርስቶክ
ስእሊ፦ ሓደ ርሑቕ ገጠር ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ዞባ ቤኒሻንጉል–ጉምዝ
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ