ኢጣልያ ስደተኛታት ንምዕጋት ምስ ሊብያ ናይ ምሕዝነት ኪዳን ተሐድስ

ኢጣልያን ሊብያን ነቲ ስደተኛታት ናብ ግዝኣት ሊብያ ኽምለሱ ዘፍቅድ ኣብ 2008 ዝፈረምኦ ኪዳን ምሕዝነት ከሐድስኦ ብ7 ሓምለ ተሰማሚዐን።

“ነቲ ናይ 2008 ኪዳን ምሕዝነት ኢጣልያን ሊብያን ከነሐድሶ ወሲንና፡” ይብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊብያ መሓመድ ሰያላ ምስ ኢጣልያዊ መዘናኡ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ።

“ምብጻሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ናብ ትሪፖሊ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጎና ዘልሎ ድሙቕ ዝምድና እዩ፡” ይብል ሰያላ።

ብምውሳኽ፡ ሰያላ “እቲ ኢጣልያዊ ሚኒስተር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ፋይዝ ስራጅ ብዛዕባ ኣብ ድሕነትን ርግኣትን ሊብያ ኽካየድ ዝኽእል ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ዘትዮም፡” ኢሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኤንዞ ሞኣቬሮ ሚላኔሲ ብዛዕባ እቲ ንወርሒ ዝቐጸለ ዝርርብ ስዒቡ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክዛረብ ከሎ፡ “ዓብን ኣገዳስን፡” ምዃኑ ብምግላጽ እቲ “ምብጻሕ መፈለምታ ናይቲ ምስ መንግስቲ ሊብያ ኽህልወና እንደልዮ ዝሓየለ ምትሕግጋዝ እዩ ኽብል እደሊ፡” ኢሉ።

ኣብቲ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሚላኔሲ “ንዓና ኣብ ሊብያ ዝህሉ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ሊብያ ኣብዚ ዞባን ኣብ ዞባ ማእከላይ ባሕርን ሚዛን ንምሕላው ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚ ድማ ናትናን ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ቀጥታዊ መኽሰብ እዩ፡” ኢሉ።

እቲ ምስ ምእላይ መንግስቲ መዓመር ቓዛፊ ኣብ ለካቲት 2011 ስዒቡ ብሰንኪ ዝመጸ ቕልውላው ዝተወንዘፈ ኺዳን ኣብ 208 ዝተፈረመ ዀይኑ፡ ከም ካሕሳ መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ሊብያ እታ ሃገር ናይ 4.2 ቢልዮን ዩሮ ኢታልያዊ ወፍሪ ኸም ካሕሳ መብጽዓ ኽእተወላ ኸሎ፡ ከም መለሳኡ ድማ ሊብያ ናብ ገማግም ኤውሮጳ ዝውሕዙ ስደተኛታት ክትዓግት ዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ። እቲ ስምምዕ ብተወሳኺ ነቲ ካብ ኤውሮጳ ዝምለሱ ናይ ምቕባል ምትሕብባር ዘጠቓልል እዩ።

ሚላኔሲ፡ እቲ ስምምዕ “ኩሎም ንርግኣትን ድሕነትን ሊብያ ዘገድሱ ኹነታት ተነጺፎም፡” ከምዘለዉ ዘመልክት ምዃኑ ገሊጹ።

ወሲኹ፡ ሊብያ “ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ብሓባር ሓላፍነትን ግቡእን ትማቐል ኣላ። ኣብ መንጎ ሊብያ፡ ኢጣልያን ሕብረት ኤውሮጳን ዝግበር ምትሕግጋዝ ንጉዳይ ስደት ንምፍታሕ ኣገዳሲ እዩ፡” ኢሉ።

ጽባሕ ናይቲ ኪዳን ምሕዝነት እተን ሃገራት ዝተሓደሰሉ፡ ፕረሲደንት ባይቶ ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ታጃኒ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ንምዕጋት፡ ኣሰጋገርቲ ሰባት ምህዳን ዘኽእል ዝርዝር ኣስማት ክዳሎ ጸዊዑ።

ታጃኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ኣብ ትሪፖሊ ምስተራኸበ፡ “ኣብ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝርከቡ ፖሊስን ኣኽበርቲ ሕግን ሓባራዊ ዓላማ ሒዞም ብሓባር ክሰርሑ ምእንቲ ክኽእሉ ዝርዝር ኣስማት ቀንዲ ገበነኛታት ኣስገርቲ ክህልወና ኣለዎ፡” ኢሉ።

ወሲኹ “ነዞም ናይ ገበነኛታት ውደባታት ከነዕንዎም እንተዘይክኢልና ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ምቅላስ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክዀነና እዩ፡” ይብል ታጃኒ።

 

TMP – 10/08/2018

ስእሊ፦ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኤንዞ ሞኣቬሮ ሚላኔሲ