ሓድሽ ስምምዕ ሕብረት ኤውሮጳ ኣንጻር ስደት
መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ብራስለስ ህጹጽ ኣኼባ ድሕሪ ምክያድ ንስደት ብሰፊሕ መገዲ ኽገጥም ዝኽእል ስምምዕ ከምዝበጽሑ ይሕብሩ ኣለዉ።
ድሕሪ እቲ ናይ 9 ሰዓታት ዘተ ንግሆ 4፡30 ብ27 ሰነ ዝተዛዘመ ኣኼባ እቶም መራሕቲ ኣብ መላእ እቲ ሕብረት ንዘሎ ጸገማት ስደት ብሓባር ክገጥም ዝኽእል ስምምዕ ከምዝበጽሑ ሓቢሮም።
ሕብረት ኤውሮጳ ጾር ኢጣልያ ንምፍዃስ ስጕምቲ ኽወስድ ከምዘለዎ ንዝቐርብ ጠለብ ንምምላስ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ማእከላት ተተኺሉ ሕቶታት ዑቕባ ክምመ ተሰማሚዖም። እቲ ማእከላት ስሉጥን ጽፉፍን ምምማይ ሕቶታት ዑቕባ ዝካየደሉ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ካብ ዑቕባ ዝግብኦም ስደተኛታት ዝፍለዩሉ እዩ ክኸውን። ዝተነጽጉ ስደተኛታት ካብቲ ኣብተን ፍቓደኛታት ዝዀና ሃገራት ዝተተኽለ ማእከላት ብቐጥታ ይጥረዙ።
“ኣብ መንጎ ሓላፍነትን ደጋፍነትን ክህሉ ዝግብኦ ሚዛን ረኺብናዮ ኣለና፥” ይብል ፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማንዌል ማክሮ።
ሓያሎ ኣባላት ሕብረት ኢውሮጳ ዝዀና ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ነቲ ስደተኛታት ናይ ምምቓል ኣገባብ እቲ ዝምለከተን ቍጽሪ ካብ ምቕባል ብምቝጣበን ተቓዊመንኦ እየን። እንተዀነ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ መራሕቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝህሉ ምምቓል ስደተኛታት ኣብ ፍቓድ ዝተመርኰሰ ክኸውን ተሰማሚዖም።
ብመሰረት በቶም 28 መራሕቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብ ከም በዓል ጀርመን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝህሉ ጾር ንምፍዃስ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝህሉ ምንቅስቓስ ስደተኛታት ክድረት እዩ። ኣባል ሃገራት ኩሉ ዘድሊ ውሽጣዊ ሕጋውን ምሕደራውን ስጕምትታት ብምውሳድ ስደተኛታት ዘዕርፉለን ሃገራት ክመጽርጹ ዶባት ሃገራት እቲ ሕብረት ከምዘይጥሕሱ ኽገብራ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።
እታ ብፍላይ ካብ ኣፍሪቃ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ዝኣተዉላ ኢጣልያ ነቲ ስምምዕ ተቐቢላቶ። “ዕጉባት ኢና፡” ይብል ኣቐዲሙ ነቲ ስምምዕ ብድምጺ ኸፍርሶ ኸምዝኽእል ኣፈራሪሑ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣያ ጁሰፐ ኮንተ። “ነዊሕ ውረድ ደይብ እዩ ኔሩ፡ እንተዀነ ግና ኢጣልያ ኻብ ሕጂ ንደሓር በይና ኣይኰነትን ዘላ፡” ይብል ኮንተ።
ቱርኪ ሶርያውያን ስደተኛታት ንምዕቋብ ተወሳኺ 3 ቢልዮን ዩሮ ኽትቅበል እያ። እቲ መጠን ገንዘብ ብ1.2 ቢልዮን ካብቲ ዝግባእ ዝጐደለን ኣብዚ መራሕቲ እቲ ሕብረት ብሕታዊ ወፍሪ ኣብ ኣፍሪቃ ኸዕብዩ ምዃኖም ዝገልጹሉ ዘለዉ እዋን ዝመጽእ ዘሎ እዩ።
እቶም መራሕቲ ናብቲ መሰረት ስደት ዝዀኑ መኽንያታት ንምቅላስ ዝተተኽለ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ማዕከን ሕድሪ ኣፍሪቃ 500 ሚልዮን ኤውሮ ከስግሩ ተሰማሚዖም።
ሕብረት ኢውሮጳ ብተወሳኺ ካብ ዶባት እታ ኣህጉር ወጻኢ፡ ዝዓበየ ተኽእሎኡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ክኸውን ዝኽእል ዞባዊ መሰጋገሪ ነጥብታት ብምትካል ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ኸይበጽሑ ኸለዉ ንምኽልካል ይደሊ ኣሎ። እቲ ማእከላት ሕቶታት ዑቕባ ዝምመዩሉ ዀይኑ ስደተኛታት “ብሓደገኛ መገዲ ኽጕዓዙ ኻብ ምብጋስ” ክኽልክልን ንስራሕ ኣስገርቲ ንምስባርን ዝዓለመ እዩ።
TMP – 03/08/2018
ቀዳማይ ሚኒስተር ኦስትርያ ሰባስትያን ኩርዝ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንምስታፍ ኣብ ብራስለስ፡ በልጁም፡ 28 ሰነ 2018።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ