መስመር ጥልያን-ፈረንሳ፥ ቆልዑ ስደተኛታት ኣብ ምንዝርና ክዋፈሩ ይግደዱ
ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ መሰጋገሪ መስመራት ጥልያን-ፈረንሳ ኣብ ንግዲ ጾታ ክዋፈሩ ይግደዱ፡ ሰይቭ-ዘ-ችልድረን። ስእሊ፡ ጆናታን ያምስ / ሰይቭ-ዘ-ችልድረን/
ምስ ፈረንሳ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ዓዲ-ጥልያን ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት፡ ናብ ፈረንሳ ዘስግሮም ገንዘብ ንምውህላል ኣብ ምንዝርና ክዋፈሩ ይግደዱ ምህላዎም ሰይቭ-ዘ-ችልድረን ዝተባህለ ንድሕነት ቆልዑ ዝሕለቕ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ።
እቲ ቆልዑ ስደኛታት ኣብ ዓዲ-ጥልያን ግዳያት ንግዲ ደቅ-ሰብን ጉልበታዊ ምዝመዛን ይኾኑ ምህላዎም ዝዘርዘረ መጽናዕቲ፡ ካብ’ታ ሃገር ናብ ፈረንሳ ክሰግሩ ዝምድቡ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት፡ ነቲ ብኣሰጋገርቶም ዝጥለብ መጠን ገንዘብ ክኸፍሉ ምስ ዝጽገሙ፡ ኣብ ምንዝርና ተዋፊሮም ገንዘብ ኽእክቡ ይግደዱ ምህላዎም ኣነጺሩ።
ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ ደቅ-ንስትዮ በቲ ተርእዮ ሓለፋ ተጸልየን ከምዘለዋ ዝጠቐሰ እቲ መጽናዕቲ፡ ካብ ናይጀርያ ክሳዕ ጥልያን በጺሐን ናብ ፈረንሳ ዝሰግራ ስደተኛታት ክሳዕ 30 ሽሕ ኤሮ ብኣሰጋገርቲ ስለዝዕደያ፡ ነቲ ልዑል መጠን ዕዳ ንምኽፋል ሻቡ ናብ ምንዝርና ከምዝኣትዋ ከም ኣብነት የረድእ። ገለ’ውን መግብን መጽለሊን ምርካብ ኣካለን ከምዝሸጣ እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ የብርህ።
“እዘን ኣዝየን ነኣሽቱን ኣብ ሓደጋ ብቐሊሉ ክኣትዋ ዝኽእላን ቆልዑ’ዚአን፡ ናብ’ቶም ኪንዮ ዓዲ-ጥልያን ኣብ ዘለዋ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ስድራአን ወይ መቕርበን ክጽንበራ ዘእክል ውሕስን ሕጋውን መንገዲ ስለዘየለ፡ ምስቶም ብዘይ ዝኾነ ኣላዪ ብመንገዲ ሰሜናዊ ክፋል ጥልያን ናብተን ሃገራት ክሰልኲ ዝህቅኑ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ተጸንቢረን ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ይካፈልኦ ኣለዋ!፡” ትብል ዳይረክተር ሰይቭ-ዘ-ችልድረን ክፍሊ ጥልያንን ኢውሮጳን ወ/ሮ ራፋኤላ ሚላኖ።
ኣብ ዶባት ጥልያንን-ፈረንሳ ዘሎ ኩነታት ስደተኛታት ፡ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ሰብ መዚ ዓዲ ጥልያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ’ታ ስደተኛታት ከም ቀንዲ መተሓላለፊት ናብ ፈረንሳ ዝጥቀሙላ ከተማ ቬንቲ-ሚላ ዝነበረ ናይ ቴንዳታት መዓስከር ምፍራሶም፡ ኣዚዩ ብኢሱ ምህላው እዩ ዝንገር። ስለዝኾነ ሓያሎ ቆልዑ ስደተኛታት ኣብ ቃልዕ ጎደናታት ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ኩነታት ክነብሩ ይግደዱ ምህላዎም እቲ ዝወጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ይሕብር።
እቲ ኣሰካፊ ተርእዮ፡ ኣብ ዶባት ጥልያንን ፈረንሳን ጥራይ ዝድረት ከምዘይኮነ ዘተሓሳስብ’ቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ከም ሮማ፡ ቨኔቶ፡ ኣብሩሶ፡ ማርኬን ሳርዲንያን ዝበሃላ ፍሉጣት ከተማታት ዓድ-ጥልያን’ውን ሓያሎ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ግዳያት ጾታውን ጉልበታውን ምዝመዛ ይኾኑ ምህላዎም የረድእ።
ትካል ኦክስፋም( Oxfam) ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጸብጻቡ፡ ኣብ 2017 ናብ ጥልያን ካብ ዝኣተው 17,337 ቆልዑ ስደተኛታት እቶም 91 ሚእታዊ ብዘይ ዝኾነ ናባዪ ዝበጽሑ ክኾኑ እንከለው፡ እቲ ኣሃዝ እቲ ንዝገዘፈ ክፋል ናይቲ ኣብ’ቲ ዓመት ናብ መላእ ኤውሮጳ ብዘይ ናባዪ ዝኣተወ ጠቕላላ ብዝሒ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ዝውክል ምዃኑ የረድእ። ጸብጻብ ትካል ኦክስፋም ወሲኹ ካብቶም ፡ካብ ነሓሰ 2017 ክሳዕ ሚያዝያ 2018፡ ብመንገዲ ቬንቲ-ሚላ ናብ ፈረንሳ ዝኣተው 16,500 ስደተኛታት እቶም ሓደ ርብዒ ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም የብርህ።
TMP – 24/08/2018
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ