ናብ ታንዛንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምእታዎም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ..ኤም) ናብ ደቡብኣፍሪቃ ንምብጻሕ ናብ ታንዛንያ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብምእታዎም ተቐይዶም ዝጸንሑ 67 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብመስርሕ ወለንታዊ ምምላስ ናብ ሃገሮም ኣግዒዙ።

እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ምስ መንግስቲ ታንዛንያ ብምትሕብባር ነቶም ኣብ ሃገር ተዳጒኖም ዝጸንሑ ስደተኛታት ኣብ ምልቃቕን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘኽእልዎም ናይ መገሻ ወረቓቕቲ ኣብ ምጽፋፍን ከምዝተሓጋገዘ ይገልጽ። እቶም ተመላሶ ቅድሚ ናብ ሃገሮም ምባሎም፡ ኣብ ርእሰከተማ ዳርኤሰላም ናይ ታንዛንያ ዘድሊ ሕክምናዊ ክትትልን ዓይነታዊ ሓገዛትን ከምእተገብረሎም ክፍለጥ ተኻኢሉሎ። እቶም 67 ኤትዮጵያውያን ስደተኛታት 28 መስከረም 2018 ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናይ ኣዲስኣበባ ኣትዮም ኣለው።

እቶም ተመላሶ ናብ ሃገሮም ኣብ ዝኣተውሉ ነብሲወከፎም ምስ ውሁብ ኩነታቶም ዝኸይድ ክጣየስሉ ዝመርጹ ዓይነት ሂወት ንምፍላጥ ዘኽእል ቃለምምልስ ምስ ኣባላት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ከምዘካየዱውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ ድማ እቶም ስደተኛታት ምስ ሕብረተሰቦም ብዘይጸገም ዝጽንበሩሉ ስሩዕ መደባት ኽውን ንምግባር ዝዓለመ እዩ።

ልክዕ ከም ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዘሎ ባህጊ፡ ናብ ደቡብኣፍሪቃ ንምእታው ዘኽእሉ መስመራት እውን ብሓያሎ ስደተኛታት ከም ኣማራጺ ይውሰዱ ከምዘለው እዩ ዝንገር። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናይ ዓመት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣፍሪቃውያን ኣብ ኣህጉሮም ብነጻ ክንቀሳቐሱ ዘኽእል ንድፊ ሰነድ ምፍራሙ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ሰነድ እንተወሓደ ተቐባልነት 15 ኣባላት ሃገራት እቲ ሕብረት ከይረኸበ ተግባራዊ ከምዘይከውን ይሕበር። እንተኾነ ኣብዚ ቀረባ እዋንታንዛንያ ካብቲ ዝፈረመትሉ ሰነድ ግልል ኢላ ንገለ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይ ቪዛ ናብ ሃገራ ከይኣትው ዝድርት ውሳኔ ትሰርሓሉ ኣላ። እቲ ውሳኔ፡ ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ ናይጀርያን ጂቡቲን ናብ ታንዛንያ ኽኣትው እንተመዲቦም ሰለስተ ወርሒ ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱ ዝጠልብ እዩ።

እዞም ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ካብ ታንዛንያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ዘለው ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ውሽጢ ዓመተ 2018 ናይ ፈለማ ኣይኮኑን። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ እውን ኣብ ዝተፈላለያ መዳጎኒ ማእከላት ተቐዪዶም ዝጸሑ 300 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ነጻ ኣልቂቑ ናብ ሃገሮም መሊሱዩ።

ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ መጽዮም ቊጠባዊ ኩነታቶም ንምምሕያሽ ነዊሕን ኣህላኺን ጉዕዞ ከምዝሓልፉ ዝንገር። እቶም ስደተኛታት ንኸም ኬንያ፡ ታንዛንያ፡ ዛምብያ፡ ማላዊን ዚምባብዌን ሰጊሮም እዮም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክበጽሑ ዘለዎም። ኣብ ንኣሰጋገርቲ ልዑል መጠን ገንዘብ ከፊሎም ዝሓልፍዎ ጉዕዞ ብኣባላት ሓለዋ ዶባተን ዝሰግሩወ ዘለው ሃገራት ምስ ዝተሓዙ ድማ ከቢድ መቕጻዕቲ ማእሰርቲን ከሕልፉ ይግደዱ።

TMP – 19/10/2018

ስእሊ፥ ኣይ..ኤም። ኢትዮጵያውያን ተመላሶ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ አፈርቲ ጁልየስ ኔረረ፡ ዳርኤሰላም።