ሃንጋሪ ዝውለዱ ንምብዛሕን ዝመጹ ስደተኛታት ንምዕጋትን ዝዓለመ ወፍሪ

ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ዝውሕድ ዘሎ ቑጽሪ ህዝበን ዘስዓቦ ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ንምትካእ ክኢላታት ስደተኛታት ኣብ ዘእትዋሉ ዘለዋ ግዜ፡ ሃንጋሪ ናብ ካልእ ኣንፈት ትጕዓዝ ኣላ። ኣርባዕተ ቘልዑን ልዕሊኡን ዝወልዳ ኣዴታት ገንዘባዊ ጹረት ክግበረለንን ምዃኑን ንምሉእ ህይወተን ካብ ምኽፋል ግብሪ ናጻ ከምዝዀናን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ብ11 ለካቲት ኣፍሊጡ። እቲ ሾብዓተ ነጥብታት ዘለዎ እማመ፡ ሃንጋሪ ስደተኛታት ከይተቐበለት ብዝሒ ህዝባ ኽትውስኽ ብዝብል እዩ ኣብቲ ዓመታዊ ንሃገር ዝህቦ መደረ እዩ ኣቕሪብዎ።

“ቁጽሪ ዘይኰነ ዘድልየና ዘሎ ሃንጋርያውያን ህጻናት ኢና ንደሊ ዘለና፡” ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኦርባን። ምስ ትሑት ቁጽሪ ዝውለዱን ብዝሒ ናብ ምዕራብ ኤውሮጳ ዝግበር ስደትን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሃንጋሪ ዝነብሩ ትሕቲ 10 ሚልዮን ህዝቢ እዮም ዘለዉ። ኣብዚ እዋን ዝካየደ ቅማረታት፡ ህዝቢ ሃንጋሪ ኣብ 2050 ብ15 ሚእታዊት ክቕንስ ምዃኑ የመልክቱ።

ምርጫ ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝቃራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቪክቶር ኦርባን ብዙሕ ድምጽታት ኣኪቡ ጸረ-ስደት ዝዀነ ኪዳን ክምስርት ይደሊ ኣሎ። ዘይስሩዕ ስደት ዝተሓዋወሰ ሓፋሽ ብምፍጣር ኣብተን ሃገራት ኣመንቲ ምስልምና ዓብለልቲ እናዀኑ እቶም ኣመንቲ ክርስትና ድማ ዝወሓዱ ኽዀኑ ምዃኖም ከምዝገለጸ ኣገልግሎት ዜና ብዚነስ ኢንሳይደር ሓቢሩ።

ዜጋታት ኤውሮጳ ስደተኛታት ንዝድግፋ ሓድሽ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ክርእያ ዝደልያ ሰልፍታት ከየድምጹን ንስለ ምዕቃብ ልምድታት ኤውሮጳን ክርስትናን ክብሉ ንጸረ-ስደተኛታት ሰልፍታት ክድግፉን ተማሕጺኑ።

ኣቐዲሙ ቀዳማይ ሚንስተር ኦርባን ነቶም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት “ኣስላም ወረርቲ” ኢሉ ብምጸዋዕ ኣብ ውሽጢ ናይ ኤውሮጳ ኣካላት ጸረ-ስደት ዝዀነ ኪዳን ክቐውም ጸዊዑ። “ምምጻእ ስደተኛታት ወሰኽ ገበን፡ ብፍላይ ከኣ ገበን ኣንጻር ደቀንስትዮ እዩ ዘስዕብ፡ ምስኡ ኸኣ ሕማም ግብረሽበራ የተኣታቱ፡” ይብል።

ኣብቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ጥርዚ በጺሑሉ ዝነበረ 2015 ልዕሊ 390,000 መብዛሕትኦም ካብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍጋኒስታንን ዝተበገሱ ስደተኛታት ናብተን ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ዝርከባ ሃብታማት ሃገራት ኤውሮጳ ንምሕላፍ ብክሮኣትያን ሰርብያን ኣቢሎም ናብ ሃንጋሪ ኽኣትዉ ፈቲኖም። ነቲ ዋሕዚ ንምኽልካል ሃንጋሪ ንርብዒ ንውሓት ዶባት እታ ሃገር ዝሽፍን ናይ 500 ኪሎሜተር መንደቕ ሃኒጻ። ሃንጋሪ፡ እቲ መንደቕ ንዋሕዚ ስደተኛታት ብ99.7 ሚእታዊት ከምዝዓገቶ ትገልጽ።

TMP – 21/02/2019

ስእሊ፥- ክሪስትያን ዲሞስኪ/ ሻተርስቶክ። ሓደ ስድራቤት ኣብ ቡዳፔሽት፡ ሃንጋሪ ብሽክለታታት እናዘወሩ።