ኢጣልያዊት መርከብ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ብምምላስ ትኽሰስ
ሓንቲ ጓታቲት መራኽብ 108 ስደተኛታት ኣድሒና ናብ ሊብያ ኸምዝመለሰቶም ኣብ ዝተሰምዓሉ፡ ኢጣልያ ኣህጉራዊ ሕጊ ኸምዘፍረሰት ትኽሰስ ኣላ።
ብመሰረት ስጳኛዊት ማሕበር ግብረሰናይ ፕሮኣክቲቫ ኦፐን ኣርምስ፡ እታ ኣሶ 28 ዝተባህለት ጃልባ ብ30 ሓምለ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ነቶም ስደተኛታት ኣድሒና ናብታ ንስደተኛታት ዘይውሕስቲ እትሕሰብ ሊብያ ወሲዳቶም።
ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ጉዳይ ንምምርማር ምስ ኢጣልያ ይዛራረብ ከምዘሎ ሓቢሩ።
“ሊብያ ድሕንቲ ሃገር ኣይኰነትን፡ ስለዚ ድማ እቲ ተግባር ኣህጉራዊ ሕጊ ዘፍረሰ ክኸውን ይኽእል እዩ፡” ትብል ኣፈኛ ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ናታሻ በርቶ።
ወሲኻ፡ “እተን መራኽብ በየናይ ትእዛዝ ይሰርሓ ኸምዝነበራን ዝርዝራት ናይቲ ስርሒት ከይፈለጥናን ካብዚ ንላዕሊ ርእይቶ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና፡” ትብል በርቶ።
ብ31 ሓምለ ተወካሊ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ ይምርምሮ ኸምዘሎ ገሊጹ። “ነታ 108 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ኸምዝለመለሰት ዝሕበረላ ዘሎ ኢጣልያዊት መርከብ ኣሶ 28 ዝምልከት ኩሉ ዘድሊ ሓበሬታ ንእክብ ኣለና፥” ይብል ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ኢጣልያ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ብመሰረት ፕሮኣክቲቫ፡ ናይ ምድሓን ህይወት መርከቦም ኦፐን ኣርምስ ኣብ መንጎ እታ ኢጣልያዊት መርከብን ሰብመዚ ሊብያን ዝነበረ ርክብ ብምጥላፍ፡ ኣባላት ኦፐን ኣርምስ ኣብ ሓደጋ ብዛዕባ ዝነበረት ጃልባ ኽፈልጡን እቲ ምድሓን ህይወት ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ከምዝነበረ ኽርድኡን ሓጊዝዎም። ኣብ መርከብ ኦፐን ኣርምስ ዝነበረ ኣባላ ሰልፊ ናጻን ማዕረን ዝዀነ ኢጣልያዊ ፖለቲከኛ ሚኮላ ፍራቶያኒ ነቲ ሓሳብ ኣረጋጊጽዎ።
ሕሉፍ የማናዊ ቐዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማቴዮ ሳልቪኒ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ “ከምቲ ብሓንቲ ናይ ወጻኢ ማሕበርን ሓደ ኣፍልጦ ዘይብሉ ጸጋማዊ ኣባል ባይቶን ብሓሶት ዝተባህለ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ዝዀነ ኻብዚ ዝተጠቕሰ ስርሒታት ኣይተሳተፈን፡” ኢሉ።
ኣብ ካልእ ተጻራሪ ዝመስል ኣብ ትዊተር ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ “እተን ማሕበራት የማርራ እቶ ኣስገርቲ ድማ ስራሕ ክስእኑ? ጽቡቕ፡ በዚ ኣንፈት እዚ ክንቅጽል ኢና!” ኢሉ።
ኢጣልያዊ ሚንስተር ጉዕዞ ዳኒሎ ቶኒነሊ ውን ነቲ ኽሲ ነጺግዎ። “ኣነ ኽብሎ ዝኽእል እንተሃልዩ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብቲ ስርሒት ከምዘይተሳተፈ እዩ፡ ስለዚ ድማ ዝዀነ ይኹን ትእዛዛት ኣይሃበን፡” ይብል ቶኒኔሊ። ወሲኹ “ስለዚ ድማ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣይተጣሕሰን፡” ይብል።
ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ እቲ ምድሓን “ብምውህሃድ እቶም ንብሉኡ እቲ ዝርሒት ዘመሓደሩ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡” ከምዝተኻየደ ይገልጽ። ጸኒሑ ውን እቲ ስርሒት ኣብ ‘ዞባ ምድላይን ምድሓንን’ ሊብያ ከምዝተኻየደ ኣብሪሁ። እንተዀነ ናይ ሊብያ ናይ ምድላይን ምድሓንን ዞባ ካብ ሃገራዊ ማያት ሊብያ ኣዝዩ ዘርሓቐ ምዃኑ ብሰፊሑ ዝፍለጥ እዩ።
ወነንቲ ኣሶ 28 እቲ ስርሒት ምድሓን ህይወት ብሓለዋ ባሕሪ ኸምዝተወሃሃደን፡ እቲ ነታ ኻብቲ ኣሶ 28 ትሰርሓሉ ዝነበረት መዅዓቲ ነዳዲ 2.5 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ ሓደጋ ዝነበረት ጃልባ ንምድሓን ዝወጸ ጻውዒት ካብ ሊብያ ኸምዝተበገሰን ሓቢሮም።
እንተዀነ፡ ሓደ ኣፈኛ ተወካሊ ጉዳይ ፍልሰት ሕቡራት ሃገራት፡ ሊብያውያን እቲ ስርሒት ምድሓን ህይወት ብሓንቲ “ዘይተፈልጠት መርከብ” ከምዝተኻየደ ኸምዝገለጹሉን ጸኒሖም ነቲ ዛንታ ቐይሮም እታ ዘድሓነት መርከብ ሊብያዊት ምዃና ኸምዝገለጹሉን ሓቢሩ።
መርከብ ኣሶ 28 ኣብዚ እዋን ኣብ ትሪፖሊ፡ ሊብያ ኣዕሪፋ ኣላ።
TMP – 21/08/2018
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ