ቀጻሊ ዋሕዚ ቆልዑ ስደተኛታት ናብ’ተን ሕሱም መነናንሮ ሰሪቱለን ዘሎ ደሴታት ግሪኽ

ኣብ ቀዳሞት ሸሞንተ ኣዋርሕ ናይ ዓመተ 2018 ልዕሊ 7,000 ቆልዑ ስደተኛታት ናብ ደሴታት ግሪኽ ከምዝኣተው ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣብ ዝዘርገሖ እዋናዊ ጸብጻብ ኣረዲኡ። ዛጊት ኣብ ዓመት ተመዝጊቡ ዘሎ ኣሃዝ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት 32 ሚእታዊት ከምዝዛይድ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ንህይወት ዝፈታተን ጉዕዞ ሰጊሮም ናብተን ደሴታት ዝኣትው ዘለው ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብተን ደሴታት ብትሑት ቀረባትን ጽበት ቦታን ተጣሪዐ ዘለዋ መጻንሒ ማእከላት ዝበኣሰ ሽግር ይገጥሞም ምህላው ኣረዲኡ።

ኣብ ጨንፈር ዩኒሴፍግሪኽ ኣወሃሃዲ ጉዳይ ስደተኛታት ዝኾነ ኣቶ ሉችዮ ሜላንድሪ ከምዝሓበሮ፡ ምስ ዝቕጽል ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ኣብተን መጻንሒ ማእከላት ዝበጽሑ ቆልዑ ስደተኛታት ኩነታቶም ናብ ዝበኣሰን ኣሰካፊን  ደረጃ ይወርድ ምህላው ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዘን ናይ መጻንሕን መለለዪን ማእከላት ዝነብሩ ዘለው ስደተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ህጻናት፡ ናብ ማእከላይ ከባቢታት ግሪኽ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከምዝግዕዙ ብምግባር፡ ዝሓሸ ኣገልግሎታት ጥዕና፡ ድሕነት፡ ከምኡውን ናይ መግቢ፡ማይን መጽለሊን ቀረባት ከምዝወሓሰሎም ምርግጋጽ ኣገዳሲ!” ይብል ኣቶ ሜላንድሪ።

ኣብ ደሴታት ግሪኽ ጥራይ ልዕሊ 5,000 ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ከባቢ 20,500 ስደተኛታት ይርከቡ። 80 ሚእታዊት ካብዚኣቶም ድማ ኣብ ውሕስነትን ንጽህናን ዘይብለን ጸበብቲ ናይ መጻንሒን መለለዪን ማእከላት ተጸፋጺፎም ይነብሩ ምህላዎም ይሕበር። ኣብ ገሊአን ማእከላት ልዕሊ 70 ሰባት ኣብ ሓንቲ ዓይኒ ምድሪ ክግልገሉ ስለዝግደዱ፡ ብሰኩ ዝኽሰት ኣከባብያዊ ርስሓት ናብ መስመራት ማይ ክልሑዂ ይረአ ሰብ መዚ እተን ደሴታት፡ ኣብተን ማእከላት ተኸሲቱ ዘሎ ዕልቕልቕ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ፍታሕ እንተዘይተገይሩሉ ኣብ ምዝዛም ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዓመት ነተን ማእከላት ክዓጽውወን ምዃኖምውን ብተደጋጋሚ የጠንቅቚ ኣለው።

3,100 ሰባት ጥራይ ከጽልል ዝተሃንጸ ኣብ ደሴት ሌዝቦስ ዝርከብ መዓስከር ሞሪያ፡ ከምኡውን 650 ሰባት ጥራይ ከአንግድ ዝተተኽለ ኣብ ደሴት ሳሞስ ዝርከብ መጸበዪ ማእከል፡ ኣብ እዋን እዚ ከባቢ 2,400 ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ኣስታት 13,000 ስደተኛታት ይነብርዎም ከምዘለው ይግለጽ። መንግስቲ ግሪኽ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ካብቶም ኣብ መዓስከር ሞሪያ ዘለው ስደተኛታት 2,000 ናብ ዝተማእከለ ከባቢታት ግሪኽ ከግዕዞም ምዃኑ ይሕብር እተሎ፡ እዚ ከምጽኦ ዝኽእል ነባሪ ፍታሕ ከምዘይህሉ እዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ስክፍታኦም ዝገልጹ።

ዩኒሴፍ ኣብ ደሴታት ግሪኽ ዘለው ቆልዑ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ኣዚዩ ድሩት ኣካላዊ ድሕነት ንዝተፈላለየ ጥዕናውን ስነኣእምሮኣውን ጸቕጥታት ተቓሊዖም ምህላዎም እዩ ኣትሪሩ ዘተሓሳስብ።ዝበዝሑ ኣብተን ማእከላት ብኣካላ ካብ ዝረኸብክዎም ቆልዑን መንእሰያትን ስደተኛታት በቲ ካብ ዓዶም ዘሳደዶም ኲናትን ንሱ ዘስርጾ ስነኣእምሮኣዊ በሰላን ተጸሊዮም ክንሶም፡ ናብ ምስ መጽኡ ኣብ ሕሱምን ብሩህ መጻኢ ዝስእኑሉን ናብራ ክወድቊ እንከለው ተደራቢ ነውጺ ይኾኖም ኣሎ፡ይብል ኣቶ ሜላድሪ።

ከም ኣህጉራዊ ኮሜቴ ምድሓን ህይወት (IRC); ከምኡውን ዶክተራት ብዘይዶብ (MSF) ዝኣመሰኡ ትካላት ረድኤት ብተደጋጋሚ ከጠንቅቕዎ ከምዝጸንሑ፡ ኣብ መዓስከር ሞሪያ ብዘሎ ሕሱም መነባብሮ  ፈተነታት ነብሰቕትለትን ሰብሰጉድኣትን ኣብ ሓያሎ መንእሰያት ስደተኛታት ይረአ ከምዘሎ እዩ። እዋናዊ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ምድሓን ህይወት ብንጹር ኣስፊርዎ ከምዘሎውን፡ 60 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ መዓስከር ዝነብሩ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ነብሶም ከጥፍኡ ዝመደቡ እዮም።

ብመሰረት ሕጊ ግሪኽ ናብ ሃገር ዝኣትው ሓደስቲ ስደተኛታት  ኣብ መቐበሊን መለለዪን ማእከላት ኣትዮም ኰታቶም ተሰኒዱ ናብ ዝተዋሕሰ ቦታ ክሳዕ ዝግዕዙ እንተበዝሐ 25 መዓልታት ጥራይ ክጽበዩ ዘድሊዮም እንተኾነ፡ ኣብ እዋን እዚ ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ልዕሊ ሓደ ዓመት ክጽበዩ ከምዝረኣዩ ይንገር።

ኣብ ግሪኽ ኣብ እዋን ከባቢ 60,000 ስደተኛታት ከምዘለው ይፍለጥ። ኣህጉራዊ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ዝተዘርግሑ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ሃገር 3,448 ናባዪ ዘይብሎም ቆልዑ ዝርከብዎም ኣስታት 23,500 ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ይርከቡ።

TMP – 10/10/2018

ስእሊ፥ Anjo Kan/Shutterstock