ፈረንሳ ንሓደ ትሕቲ-ዕድመ ስደተኛ ኽትክሕስ መጋባእያ ኤውሮጳዊ ሕብረት ወሲኑ

መጋብኣያ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳዊ ሕብረት ፈረንሳ ንሓደ ኣፍጋናዊ ትሕቲዕድመ ስደተኛ 15,000 ኤሮ ካሕሳ ኽትህብ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ። ፈረንሳ ነቲ ወዲ 12 ዓመት ኣፍጋናዊ ስደተኛ ኣብ መዓስከር ካሌ ንበይኑ እንዳነበረ ዝኾነ ሓገዝ ስለዝነፈገቶ እያ ኽትክሕሶ ተነጊሩዋ ዘሎ።

መንግስቲ ፈረንሳ ንድሕነትን ውሕስነትን እቲ ጃሚል ክሃን ዝስሙ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛ ዝግብኦ ከምዘይገበረ እዩ እቲ ኣብ ስትራስበርግ ዝቦትኡ መጋባእያ ዝዛረብ ስለዝኾነ ሰብመዚ ፈረንሳ ነቲ ንምግታእ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ኩነታትን ሰባት ዝቖመ ኤውሮጳዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኣየኽበሩን ብዝብል እቲ መጋባእያ ነቲ ናይ ካሕሳ ውሳነ ኣሕሊፉ።

እቲ ብልዕሊ ጃሚል ካሃን ዝተለለየ ጸገም ዘይሓድሽን ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ብዘይ ዝኾነ ናባዪ ዝነብሩ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ቀጻሊ ዝረአ ጸገምንዩ። ስደተኛ ጃሚል ካሃን ኣብ ኣብ ሰመኢናዊ ፈረንሳ ዝርከብ መዓስከር ካሌ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ናባዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ከቢድ ሕሰም ኣሕሊፉ። እቲ ስደተኛ ኣብ እዋን እዚ ኣብ ከተማ ብርሚንግሃም ናይ ብሪጣንያ ይርከብ።

ኣብ ፈረንሳ ቊጽሪ ናይቶም ብትሕቲ ዕድመ ዝልለዩ ስደተኛታት ካብ 2015 ክሳብ 2018 ዛጊት ብሰለስተ ዕጽፊ ዛይዱ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።እዚ ድማ ኣገልግሎታት ሰብኣዊ ድሕነት እታ ሃገር ከቢድ ሰኸም ኮይኑ ይርከብ። ማዕከን ዜና ኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ፈረንሳ ልዕሊ 17,000 ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከምዝለዉ እዩ ዝሕብር። ሰብመዚ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ግን ሓያሎ ስደተኛታት ፍሉይ ሓገዝን መጽለሊን ክረኽቡ ኢሎም ዕድሚኦም ኣጒዲሎም ከምዝነግሩ እዮም ዝገልጹ። ኣህጉራዊ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2018 ዘውጽኦ ንዘይሕጋዊ ኣተሓሕዛ ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ፓሪስ ዘመልከተ መጽናዕቱ ግን ነቲ ብሰብመዚ ፈረንሳ ዝወሃብ መግለጺ ድሕሪ ምንጻግ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ንጉዳይ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ ምግምጋም ንዝኽተሎ ዘሎ ኣሰራርሓ ወቒሱዩ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ጸብጻቡ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ንክሊዕድመ ስደተኛታት ንምልላይ ኣላማሚ ግምገማ ዕድመ ከምዝኽተል፡ እዚ ድማ ንኣህጉራዊ ኣሰራርሓን መንግስታዊ ቅጥዒ ፈረንሳ ኣብቲ ጉዳይን ዘይኽተል ብምዃኑ ሓያሎ ቆልዑ ስደተኛታት  ክረኽብዎም ዝግብኦም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተሓሪምዎም ኣብ ቃልዕ ጎደናታት ክነብሩ ገይሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እዞም ቆልዑ ብዘይ ዝኾነ ኣልያ ሕሱም ህይወት ከሕልፉዮም ነዊሕን ኣሰጋርን ጉዕዞ ስደት ዝሰግሩ ዘለዉ፡ይብል ሓላፊ ኣህጉራዊ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ጨንፈር ፈረንሳ ዝኾነ ኣቶ በነዲኽት ጂያንኾ።

መንግስቲ ፈረንሳ ንሓቀኛ ዕድመ ቆልዑ ስደተኛታት ንምፍላጥ ንኣሰር ኣጻብዕቲን ስእልንቶም ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ቆልዑ ስደተኛታት ዝስንድ ስርዓተ ሓበሬታ የቕውም ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ትካል ቆልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማለት ዩኒሴፍ እቲ ተበግሶ ንመሰል ብሕትውና እቶም ቆልዑ ዓፊኑ፡ ሰብ መዚ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ናይ ምጥራዝን ምቕያድን ስጒምቲ ክወስዱ ሰፊሕ ዕድል ዝፈጥር ብምባል ናይ ተቛውሞ ጥርዓን መስሪቱ ኣሎ።

 

TMP – 12/03/2019

ስእሊ፡ ሲምባዮት/ Shutterstock. ህንጻ መጋባእያ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳዊ ሕብረት።