ኣብ መዳጐኒ ማእከል ሊብያ ኣብ ዘጋጠመ ተቓውሞ ዓሰርተታት ሰባት ተጐዲኦም

ብ26 ለካቲት ኣብ ሓደ ኣብ ትሪፖሊ፡ ሊብያ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ብስደተኛታት ዝተበገሰ ኣድማ ንምህዳእ ዘብዐኛታት ኣብ ዝኣተዉሉ 50 ዝዀኑ ስደተኛታት ተጐዲኦም።

ብመሰረት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መዳጐኒ ማእከል ጣርቕ ኣ-ሲካ ዝርከቡ ስደተኛታት ብሰንኪ እቲ ዝርከቡሉ ኣተሓሕዛን ፍታሕ ዘይምህላዉን እዮም ዝእድሙ ኔሮም። ክልተ ስደተኛታት ብብርቱዕ ተሃስዮም ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ ኸለዉ፡ ገለ ኻብቶም ዘብዐኛታትውን ከምዝተጐድኡ ተሓቢሩ።

ኣብ እዋን እቲ ኣድማ ዳርጋ 400 ዝዀኑ ስደተኛታት ኣብቲ መዳጐኒ ማእከል ከምዘነበሩ ይግመት። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ኤርትራውያን ምዃኖምን ውሑዳት ጉጅለታት ሶማላውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ከምዝርከብዎምን ይሕብር። ድሕሪ እቲ ኣድማ 120 ሰባት ናብ ካልእ መዳጐኒ ማእከላት ግዒዞም።

“ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ዘጋጥም ጐነጽ ንዅን፡ ከምኡ ድማ ካብቲ መዳጐኒ ማእከል ዝገዓዙ ሰባት ብቕልጡፍ ክንረኽቦም ክንክእል ንሓትት፡” ይብል ኣላዪ ስርሒታትን ህጹጽ ኩነትን ኣህጉራዊ ውድብ ስደት መሓመድ ኣቢክደር።

ኣብ ሊብያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ዘይሰብኣዊ ኹነታት ልዕሊ ዓቕሙ ጻዕቂ ሰብ ኣብ ዘለዎ ዓመጽን ጐነጽን ዝዓብለሎ ዘይንጹህ ህንጻታት ይዳጐኑ። ስደተኛታት ብስእነት መግቢ፡ ግቡእ ጽሬትን መድሃኒትን ይሳቐዩ። ስደተኛታት ቅድሚ ሕጂ ውን ምስ ዘብዐኛታት ተጋጭዮም፡ ካብ መዳጐኒ ማእከል ፈንጢሶም ወጺኦም ኣዲሞም፡ ገለ ድማ ነብሶም ኣጥፊኦም እዮም።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኣብ ክንዲ ምድጓን ዝሰርሕ ኣማራጺታት ክህሉ ምጽዋዕ ይቕጽል። ብዘይስሩዕ ኣገባብ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ምሓዞም ነቲ ዘለዎም ተነቃፊ ኹነታት እዩ ዘጋድዶ። እቲ ኹነታት ንደቀንስትዮን ህጻናትን ብፍላይ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ፡” ይብል ኣቢክደር። “ብኸመይ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ተበጺሑ ብዘየገድስ ኣንጻር ስደተኛታት ዝፍጸም ግፍዒ ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡” ይብል።

ኣብዚ እዋን 5,700 ዝዀኑ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ተዳጒኖም ኣለዉ። ኣብ 2019፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተወሰኽቲ 778 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ዓጊቱ ንኽዳጐኑ ናብ መሬት ሊብያ መሊስዎም ኣሎ።

ካብ ሕዳር 2017 ኣትሒዙ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣዝዮም ውጹዓትን ተነቀፍትን ዝዀኑ ስደተኛታት ኣብ ኒዤርን ሮማንያን ናብ ዝርከቡ መጽንሒ ማእከላት ከግዕዞም ጸኒሑ እዩ። ኣብቲ ናይ ቀረባ ግዜ ብ4 መጋቢት ዝተኻየደ ምግዓዝ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት 128 ስደተኛታት ናብ ኒዤር ኣብ ዘብረረሉ፡ ቁጽሪ ናይቶም ካብ ሊብያ ዝግዓዙ ብድምር 3,303 በጺሑ።

ብድምር 56,484 ምዝጉባት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ሊብያ ዝቕመጡ ዀይኖም፡ መብዛሕትኦም ናብ ሃገራቶም ክምለሱ ወይ ድማ ጉዕዞኦም ናብ ማእከላይ ባሕሪ ኽቕጽሉ ዘይክእሉ ዀይኖም ተደርብዮም ዘለዉ እዮም። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ብድምር ልዕሊ 400,000 ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ይነብሩ ኸምዘለዉ ይግምት።

TMP – 16/03/2019

ስእሊ፦ ኣንዮ ካን/ ሻተርስቶክ። ስደተኛታት ዝሰገሩላ ዝተደርበየት ጃልባ።