ሓደ ስልሲት ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ቆልዑ እዮም

ትሕቲ ዕድመ ስደተኛ ኣብ ሞንጎ ማእከላይ ባሕሪ ንዝሰግሩ ዘሳፈረት ንእሽቶ ጃልባ። ስእሊ፥ ጊዲዮን ኢማዴኖ/ሪፖርተር

ዩኒሴፍ(UNICEF) ምስ ትካል ጉጅለ ምውህሃድ ቃልሲ ኣንጻር ንግዲ ደቅ-ሰብ (ICAT) ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓባራዊ ጸብጻብ ፡  ቆልዑ ስደተኛታት ቀንዲ ተሃሰይቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ኮይኖም ይቕጽሉ ምህላዎም ተሓቢሩ።

እቶም ክልተ ተሓለቕቲ ኣካላት፡ ኣብ’ቲ ብ 30 ሓምለ ዝተኸብረ “ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት” ምኽንያት ብምግባር ዝዘርግሕዎ ጸብጻብ፡ ማሕበረሰብ ዓለምን መንግስታትን ንድሕነት ቆልዑ ዘቐደመ ፖሊሲታት ከውሕሱ ጸዊዖም ኣለው።  እቲ ጸብጻብ ፡ ካብ ጠቕላላ ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ እቶም 28 ሚእታዊት ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም ክሕብር ከሎ፡ ኣብ ከም ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ኣመሪካን ካሪብያንን እቲ ኣሃዝ ዝተዓጻጸፈ ምዃኑ የረድእ። ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ 64 ሚእታዊት፡ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካን ካሪብያንን ድማ 62 ሚእታዊት  ካብቶም ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ቆልዑ እዮም።

ዳይረክተር ዩኒሴፍ ወ/ሮ ሄንሪታ ፎረ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቅ-ሰብ ንሚልዯናት ቆልዑ ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ብዘይ ዝኾነ ኣላዪን ድሕነትን ዝስደዱ ቀጥታዊ ስግኣት ኮይኑ ምህላው ኣረዲኣ።

መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ኣሰካፊ ተርእዮ ኣብ ምግታእን ነባሪ ፍታሕ ኣብ ምምጻእን ብሓባር ይሰርሑ ብዘይምህላዎም፡ መርበባት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ንጸገማት ኣማኢት ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እንዳመዝመዛ ኣብታ ኣህጉር የስፋሕፍሓ ምህላወን እዩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወቅስ።

ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ኣብ ዘይማዕርነት፡ ዘይምርግጋእን ግጭትን ህዝብታትን ሃገራትን ዝምገብ ሕሱም ገበን እዩ። ነጋዶ ደቂ-ሰብ ንሕልምን ግዝያዊ ጸገማትን ሰባት እንዳመዝመዙ ዝረብሑ’ዮም። ንሳቶም ነቶም ኣዚዮም ተነቀፍቲ ወገናት እንዳላለዩ መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላት ሰባት ዝገፉ’ውን’ዮም፡” ይብል ጠቕላሊ ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉታረዝ።

ንግዲ ደቅ-ሰብ ዝተፈላለዩ መልክዓት ዘለዎ ዶብ-ኣልቦ ገበን ከምዝኾነ፡ ነቲ ገበን ዝፍጽምዎ ወገናት ድማ ብዘይዝኾነ ፍርሐ-ሕጊን ብዙሕ ኣስተብህሎ መንግስታትን ክሰርሑ ከምዝረኣዩ ዝጠቐሰ ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ብመሰረቱ ክቕየር ከምዘለዎን፡ ውድቡ ድማ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብን ግዳያት ንምሕጋዝን ከምዝጽዕት ኣገንዚቡ።

ኣብ 2017፡ ጠቕላላ ብዝሒ ቆልዑ ስደተኛታት ዓለምና 36 ሚልዮን ከምዝበጽሐ፡ ካብ’ዚ ድማ እቲ 29 ሚእታዊት ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝኾነ እዩ  ጸብጻብ ክፍሊ ቊጠባን ማሕበራዊ ድሕነትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።

TMP – 27/08/2018