ሱዳን፥ ቃልሲ ኣንጻር ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደት ተሐይል

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብ 10 ታሕሳስ 2018 ብዘይስሩዕ ኣገባብ ናብ ሊብያ ክስግሩ ተቐሪቦም ዝነበሩ 57 ስደተኛታትን ኣርባዕተ ኣሰጋገርቲን ከምዝቐየዱ ተገሊጹ። እቲ ፍጻሜ መቐጸልታ ናይ’ቲ እታ ሃገር ኣብ ምቅላስ ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደት ትገብሮ ዘላ ዝተወሃሃደ ጻዕሪ እዩ።

ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር፡ እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ናብ ሊብያ ምብጋሶም ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ኣብ ከባቢ ምብራቕ ኒል ዝርከብ ገዛ ድሕሪ ምውራሮም እቲ ማእሰርቲ ከምዝሰዓበ እያ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝመደበራ ማዕከን ዜና ሱዳን (SMC) ትገልጽ። ብመሰረት ሓበሬታ እታ ማዕከን ዜና፡ ጉዳይ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ወገናት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ከምዘሎ፡ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘይኣተው ሰለስተ ካልኦት ኣሰጋገርቲ ድማ ይህደኑ ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ሓያሎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ናብን ካብን ሱዳን እንዳተበገሱ ብመንገዲ ሊብያን ግብጽን ናይ ኤውሮጳ ክበጽሑ ከምዝፍትኑ እዩ ዝሕበር። እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2018 ድሕሪ ምኽፋቱ ልዕሊ 10,000 ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዕቕባ ከምዝሓተቱ እዩ።

ነዚ ኩነታት ተጠቒሞም ሓያሎ ኣሰጋገርቲ ንስደተኛታት ልዑል መጠን ገንዘብ ከኽፍሉን ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ክምዝምዙን ይረኣዩ ኣለው። ስደተኛታት ኣብ’ቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ቀጻሊ ግፍዒ፡ ባርነት፡ ዓመጽን መጭወይትን ከምዝገጥሞም እውን ይንገር።

ከም ምንጭን መተሓላለፊትን ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደት፡ ከምኡውን ንግዲ ደቅሰብ  እትጥቀስ ሱዳን፡ ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ጀሚራ ነቲ ተርእዮ ንምግታእ ተረርቲ ስጒምትታት ኣብ ምምሕዳር ከምዘላ እዩ ዝንገር። ኣብ 2014, ሱዳን ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅሰብ ኣብ ልዕሊ ዝነጥፉ ገበኛታት ተሪር መቕጻዕቲ ዘንጽፍ ሕጊ ተግባራዊ ገይራ’ያ። እቲ ሕጊ ፡ ንገበነኛታት ካብ 20 ዓመታት ጽኑዕ ማእሰርቲ ክሳዕ ሞት ዝቐጽዕ እዩ። ብተወሳኺ፡ እታ ሃገር ሓለዋ ዶባት ንምሕያልን ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ሰባት ንምቊጽጻርን ምስ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት ስምምዓት ዶባዊ ጸጥታን ምሕደራን ኣብ ምኩዋን ትጽዕት ኣላ።

ንጠፋታት ነጋዶ ደቅ-ሰብ ንምድኻም’ውን መንግስቲ ሱዳን ኣብ ከም ኻርቱም፡ ኡምዱርማን፡ ከሰላን ፖርት-ሱዳንን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ኣሰጋገርቲን ዝተወሃሃዱ ግፋታት የውፍር ከምዘሎ ይግለጽ። ፖሊስ እታ ሃገር ብ 18 ታሕሳስ ናይ 2018 ብዘካየዶ ስርሒት ኣብ ከተማ ከሰላ ብኣሰጋገርቲ ተጨውዮም ዝነበሩ 84 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘድሓነ ይዝከር።

TMP – 24/12/2018

ሱዳን ትሪብዩን። ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዶብ ሱዳን-ሊብያ እንዳሰገሩ።

ንስደት ዝምልከት ሕቶ እንተሃልዩኩም ጽሓፉልና

መልእኽቲ ሕቶኹም ብኢመይል ስደዱልና እሞ ሓደ ኻብ ኣባላትና ክምልሰልኩም እዩ። ኩሉ ኢመይላት ብስቱር ይተሓዝ።

The world is on the move

Millions of people are migrating right now, and most of them are facing the harsh realities of what migration means in the 21st century.

We provide facts and current news on migration in multiple languages that is easily understandable and accessible to migrants.

ዝያዳ ንምንባብ