ዓሰርተታት ስደተኛታት ዘድሓነት መርከብ ኣብ ባሕሪ ተዓጊታ
ሓንቲ 64 ስደተኛታት ዘድሓነት ናይ ጀርመን ናይ ግብረሰናይ መርከብ ምድሓን ሰብ ኢጣልያን መልጣን ኣብ ወደባተን ከይተዕርፍ ከልኪለንኣ ኣለዋ። እቶም ስደተኛታት ኤውሮጳ ንምብጻሕ ኣብ ሓንቲ ዝተጨቓጨቐት ጃልባ ጐማ ተጻዒኖም ዝጕዓዙ ዝነበሩ እዮም።
ሰብ መዚ ሊብያ ነቲ ናይ ሓደጋ ጻውዒት ስለዘይመለሱሉ ብሰብኣዊ ማሕበር ሲ ኣይ እትካየድ መርከብ ምድሓን ህይወት ኣላን ኩርዲ ነቶም ስደተኛታት ኣድሒናቶም። እቶም 64 ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰባት 10 ኣንስቲ፡ ሓሙሽተ ቘልዑን ሓደ ናጽላ ህጻንን ይርከብዎም። እቶም ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ናይ ሊብያ ናይ ምድላይን ምድሓንን ዞባ ጥቓ እታ ካብ ትሪፖሊ ንምዕራብ እትርከብ ዝዋራ እዮም ድሒኖም።
ኣፈኛ ሲ ኣይ ዝዀነት ካርሎታ ቨይብል፡ “ቱኒዝያን ሊብያን ፈጺመን ኣይመለሳን፡ ኢጣልያን መልጣን ሓላፍነተን ከምዘይኰነ ገሊጸን፡ ንሕና ድማ ኣብ ማያት ግዝኣቶም ክንኣቱ ኣይፍቀደናን እዩ።” መርከብ ኣላን ኩርዲ ኣብ 2015 ምስ ስድርኡ ካብ ኲናት ሶርያ እናምለጡ ኸለዉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝሞተ ወዲ 2 ዓመት ህጻን ስም ዝተዋህባ እያ።
ብ3 ሚያዝያ ኣፈኛ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ጀነራል ኣዩብ ቓስም ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ናብ ማያት ግዛኣት ሊብያ ኸይሰግራ ኣጠንቂቑ። “ክብሪ ዝግብኣና ኣካል ብምዃንና ልኡላውነት ሃገርና ኣብ ዝድፈረሉ ኣህጉራዊ ሕጊ ብዘፍቅዶ ኣገባብ መልሲ ዝኸውን ተግባር ክንግብ ኢና፡” ይብል። “ንልኡላውነትና ጥሒሰን ብዛዕባ ሃገርና ወረታት ብዘናዝሓ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ረብሪብና ኢና።”
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማቴዮ ሳልቪኒ፡ “ኣብ ጀርመን ዝተመገበት መርከብ፡ ናይ ጀርመን ማሕበር፡ ጀርመናዊ ዋና መርከብን ካብ ሃምቡርግ ዝተበገሰት መርከብን— ናብ ሃምቡርግ እንተተመልሱ ይሕሾም፡” ይብል። ወሲኹ ድማ፡ ናብ መራሒ እታ መርከብ ምድሓን ህይወት ባዕሉ ብምጽሓፍ “ናብ ማያት ግዝኣት ኢጣልያ ኸይትኣቱ” ብምባል ከምዘጠንቀቖ ይገልጽ።
እንተዀነ፡ ሲ ኣይ እቲ ናብ ጀርመን ዘሎ ጉዕዞ ኽሳዕ ወርሒ ኽወስድ ከምዝኽእልን ንኽንድኡ ግዜ ዝኣክል እኹል መግብን ማይን ከምዘየሎን ትገልጽ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ክሪስቶፍ ካስታነር፡ “ጃላቡ ኣብቲ ዝቐረበ ወደብ ከዕርፋ ኸምዝግብአን ኣብ ዝምልከት ኣርእስቲ ዘይምስምማዕ ኔሩ፡” ይብል። እንተዀነ፡ ኣብተን ጃላቡ ዝጸንሑ ስደተኛታት ብዛዕባ ምቕባል ብዝምልከት ፈረንሳ ኣብ ጐድኒ ኢጣልያ ደው ከምእትብል ገሊጸሉ፡” ይብል።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብቲ እዞም ስደተኛታት ዝደሓኑሉ ብድምር 91 ሰባት ዝጸዓና ኽልተ ኻልኦት ጃላቡ ናይ ሓደጋ ምልክት ሰዲደን ኔረን። እንተዀነ፡ መርከብ ኣላን ኩርዲ ነተን ጃላቡ ኸተናዲ መዓልታት ኣሕሊፋ እኳ እንተዀነት፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ካብ ሓንቲ ኻብተን ጃላቡ ውን ዝዀነ ደሃይ ኣይተረኽበን።
TMP – 11/04/2019
ስእሊ፦ ሲ ኣይ / ትዊተር። ወዲ 6 ዓመት ማንዌል ሓደ ኻብቶም ኣብታ ብስም እቲ ኣብ 2015 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞተ ወዲ 2 ዓመት ሶርያዊ ዝተጸውዐት መርከብ ኣላን ኩርዲ ዝነበሩ ዝደሓኑ 64 ስደተኛታት እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ