ኣብ ማእከል እቲ ኣብ ሊብያ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ዞባ ተዳጒኖም ዝርከቡ ስደተኛታት ብወተሃደራት መጥቃዕቲ ወሪዱዎም
ብኸሊፋ ሓፍታር ዝእዘዙ ወተሃደራት ነቲ ካብ ትሪፖሊ ንደቡብ 25 ኪሎሜተር ኣብ ዘላ ቓስር ቢን ገሺር ዝርከብ መዳጐኒ ስደተኛታት ኣጥቂዖሞ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣልጀዚራ ነቶም ተዳጐንቲ ምስኣጥቅዖዎም እንተወሓዱ 10 ስደተኛታት ቈሲሎም።
ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ቁጽሪ ግዳያት ካብቲ ዝተጠቕሰ ዝለዓለ ክኸውን ውን ይኽእል እዩ። ሙስጠፋ ኣልመሰኢ ዝተባህለ ኣፈኛ እቲ ኣብ ሊብያ ዝመደበሩ ብሕቡራት ሃገራት ተፈላጥነት ዝረኸበ መንግስቲ ብዝሓበሮ መሰረት ሓይልታት ሓፍታርፍ ሽዱሽተ ስደተኛታት ቀቲሎም 11 ኣቝሲሎም።
ኣብቲ ኣብ ቓስር ቢን ገሺር ዝርከብ መዳጐኒ 728 ዝዀኑ ስደተኛታት ከምዘለዉ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። ልዕሊ 100 ካብቶም ስደተኛታት ደቀንስትዮ፡ ሓምሳ ዝዀኑ ድማ ቘልዑ እዮም።
ወተሃደራት ሓፍታር ቅድሚ ነቶም ስደተኛታት ምቕጥቃጦምን ናብኣቶም ቅድሚ ምትኳሶምን ተንቀሳቐስቲ ተሌፎናት ፈቲሾም ከምዝመንጠልዎም እቶም ተዳጐንቲ ንኣልጀዚራ ሓቢሮም።
“ሕጂ ነቲ ማእከል የጥቅዖው ኣለዉ … ናባና ኣቕኒዖም እዮም ዝትኩሱ ዘለዉ፡” ክብል ሓደ ኤርትራ ስደተኛ ንኣልጀዚራ መልእኽቲ ይሰድድ። “ህጹጽ ሓገዝ ሕክምና የድልየና ኣሎ፡ መኽንያቱ እዞም ምሳና ዘለዉ ማህረምቶም ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።”
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ነቶም ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ቦታታት ክኣሊ ክዓዪ እዩ ጸኒሑ። እንተዀነ፡ ብመሰረት ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 3,600 ዝዀኑ ዝተዳጐኑ ስደተኛታት ኣብ ማእከል እቲ ናይ ኲናት ቦታ ተቐርቂሮም ኣለዉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ መግለጺ፡ “እቲ ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ዘሎ ኹነታት መመሊሱ እዩ ዘኽፍእ ዘሎ። ዘብዐኛታት ቦትኦም ሓዲጎም ኣብ ውሽጢ ሰባት ጠንጢኖም ይእለዩ ኸምዘለዉ ጸብጻባት ኣሎ፡” ይብል።
ሓደ ኣብ ኣቡ ሰሊም ዝተዳጐነ ኤርትራዊ፡ “ ናበይ ከምንኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና። ዘብዐኛታት ዳርጋ የብልናን፡ ክልተ ጥራይ እዮም ዘለዉ፥ ኽገድፉና’ዮም። እቲ ዂናት ይቐርብ እዩ ዘሎ።
ካብቲ ብ5 ሚያዝያ ኲናት ዝጀመረሉ እንተወሓዱ 264 ሰባት ተቐቲሎም፡ ካልኦት 1,266 ድማ ቘሲሎም ኣለዉ። ልዕሊ 32,000 ህዝቢ ካብ ኣባይቶም ተፋናቒሎም ኣለዉ።
ሓላፊ ልኡኽ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዝዀነ ዑስማን በልቤይሲ ነቲ ዘሎ ጸገማት ኣመልኪቱ፦ “ኣሽሓት ሰባት ነብሶም ከድሕኑ ኣብ ዝሃድሙሉ ዘለዉን ልዕሊ 3,000 ተዳጐንቲ ኣብ ልዑል ሓደጋ ኣብ ዝርከቡሉን እዋን ኣብ ትሪፖሊ ንዝርከቡ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ህዝቢ ንምድሓን ኣድላዪ ደገፍ ንምቕራብ ስሉጥ ስጕምቲ ምውሳድ የድሊ ኣሎ፡” ይብል።
TMP – 3/05/2019
Photo credit: ስርድያን ራንድየሎቪች / ሻተርስቶክ
ኣብቲ ዂናት ዝካየደሉ ዘሎ ኸባቢ ስደተኛታት ከይሃድሙ ንምዕጋት ኣብ ቀጽሪ መዳጐኒ ማእከል ዝተተኽለ ሓጹር።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ