ዝተዳጐኑ ስደተኛታት ኲናት ናብ ትሪፖሊ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ ግዜ መዋጽኦ ይስእኑ
ኣብ ትሪፖሊ ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ዝርከቡ ኣሽሓት ስደተኛታት በቲ ናብታ ኸተማ ዝቃረብ ዘሎ ኣብ መንጎ ክልተ ተቓናቐንቲ ጉጅለታት ዝካየድ ዘሎ ዂናት ይቕርቀሩ ኣለዉ።
ልዕሊ ሰሙን ኣብ መንጎ ናይ ጀነራል ኸሊፋ ሓፍታር ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያን ኣብ እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተፈላጥነት ዝረኸበ ኣብ ትሪፖሊ ዝመደበሩ መንግስትን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዂናት ዓሰርተታት ተቐቲሎምን ኣማኢት ቈሲሎምን ኣለዉ። ብመሰረት ሮይተርስ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንተወእሕዱ 75 ሰባት ከምዝተቐትሉን 323 ከምዝቘሰሉን ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዝተሰደዱ፡ ልዕሊ 600 ቘልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ 6,000 ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ተዳጒኖም ኣለዉ። ስደተኛታት ኣብ ዝተጨቓጨቐ መኻዚኖታትን ቤትማእሰርትታትን ተዳጒኖም ካብ ዝተፈላለያ ጉጅለታት ሚሊሻ ብዝመጹ ዕጡቓት እዮም ዝሕለዉ።
ኣልጀዚራ ከምዝሓበረቶ እቶም ስደተኛታት፡ እንተላይ እቶም ኣብ ማእከል ዞባ ዂናት ዝርከቡ ብዘይመግብን ማይን ተረሲዖም እዮም ዘለዉ። “ነቶም ሰራዊት ንርእዮም ኢና፡” ይብል ኣብ ቓስር ቢን ገሺር ዝተዳጐነ ስደተኛ። “እቲ መኽዘን መግቢ ጥርሑ እዩ ዘሎ፡” ይብል። “እቲ ዂናት ገና ይቕጽል እዩ ዘሎ። ኤለክትሪክን ማይን ውን ኣቋሪጹ እዩ ዘሎ።”
“ምናልባት ወሲዶም ይሸጡና ይዀኑ፡” ይብል ካልእ ምስ ኣልጀዚራ ዝተዛረበ ስደተኛ። “ኩሉ ሰብ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢና ዘልና፡ ግና ናበይ ከምንኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና። ኩሉ ሰብ ካብዚ ኽሃድም እዩ ዝደሊ። ተጨኒቕና ኢና ዘለና። ድሮ ተስፋ ይዓርበና ኣሎ።”
ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ ዓይን ዛራ ዝተባህለ መዳጐኒ ማእከል ዝተዳጐነ ሓደ ስደተኛ መብዛሕትኦም እቶም ዝሕልውዉኦም ዝነበሩ ዘብዐኛታት ከምዝሃደሙን መግቢ ኸምዝተወድአን ይሕብር።
“ተዅሲ ይሰምዑ እዮም። ብዙሓት ኣዝዮም ፈሪሖም እዮም ዘለዉ፡ ይብል ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባባር ባሎክ ብዛዕባ እቶም ስደተኛታት።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ልዕሊ 150 ሶማላውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ኤርትራውያንን ሶርያውያንን ካብ መዳጐኒ ማእከል ዓይን ዛራ ብ9 ሚያዝያ 2019 ናብ ሓደ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ መዕቈቢ ማእከል ከምዝወሰዶም ይሕብር።
ኣብቲ ማእከል ዝነበረ ሓደ ኣካያዲ ብ10 ሚያዝያ ንማዕጾታት እቲ መዳጐኒ ኸፊቱ ተወሰኽቲ 150 ስደተኛታት ናብ ጐደና ኽወጹ ኸምዝገደፎም ንሮይተርስ ይገልጽ። “ንድሕነቶም ክብል ይኺዱ ገዲፈዮም፡” ይብል።
ኣብዚ እዋን 700,000 ዝዀኑ መብዛሕትኦም ባሕሪ ኽሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ይርከቡ። ኣብዚ ህይወት ዘድሕና መራኽብ ዘይብሉ ግዜ ጃላቡ ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተዓጊተን ይምለሳ። ዝሓለፈ ዓመት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 15,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኽበጽሑ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ ዓጊቱ መሊሱዎም እዩ። ክሳዕ ሕጂ ኣብ 2019 ተወሰኽቲ 1,073 ስደተኛታት መሊሱ ኣሎ።
TMP – 19/04/2019
ሰኣላይ፦ ሳራ ክሬታ / ሓካይም ብዘይዶብ
ስእሊ፦ ሓደ ኣብ ባሕሪ ዝደሓነ ተዳጓኒ ካብቲ ዝተኣስረሉ ኽፍሊ ዀይኑ ንደገ ይጥምት፤ ኾምስ፡ ሊብያ፥ መስከረም 2018.
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ