ኣሰቃቒ ዓጸቦ ኣብ ሓደ ናይ ትሪፖሊ መዳጐኒ ስደተኛታት
ዘሰክፍ ብዝሒ ካብቶም ኣብ ሰብዕ ዝተባህለ መዳጐኒ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ብዓጸቦ ይሳቐዩ ወይ ትሕቲ ኽብደት ኰይኖም ከምዘለዉ ሓካይም ብዘይ ዶብ ብ 21 መጋቢት ገሊጹ። ብመሰረት እቲ ሰብኣዊ ማሕበር መብዛሕትኦም ኣብቲ መዳጐኒ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን እዮም። ሱዳናውያንል ናይጄርያውያን፡ ካሜሩናውያንን ጋናውያንን ውን ኣብቲ መዳጐኒ ይርከቡ።
ካብቶም 300 ኣብቲ መዳጐኒ ዝርከቡ ሰባት እቶም ሲሶ ህጻናት እዮም። ልዕሊ ፍርቂ ኻብቶም እሱራት ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብኡ ዝጸንሑ እዮም።
ኣብቲ ብሓካይም ብዘይዶብ ዝተዳለወ መጽናዕቲ ዀነታት ኣመጋግባ እቶም ስደተኛታት፡ እቶም ተዳጐንቲ ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ሓንቲ መግቢ ኸምዝወሃቡ ይገልጹ። ሓደስቲ እንተዀይኖም ክሳብ ኣርባዕተ መዓልቲ ተጸብዮም እዮም መግቢ ዝረኽቡ። ስልዚ ድማ ዳርጋ ርብዒ ኻብቶም እሱራት ብዓጸቦ ዝሳቐዩ ወይ ድማ ትሕቲ ኽብደት እዮም።
“እቲ ኹነታት ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ፡” ይብል ኪስ ክላውስ ዝተባህለ ኣማኻሪ ሕክምና እቲ ማሕበር ኣብ ሊብያ። “ናይ ሕክምና ጉጅለታትና ዝብላዕ መግቢ ስለዘይብሎም መድሃኒቶም ዘቋረጹ ይርእዩ እዮም። ዋሕዲ መግቢ ቐንዲ ምንጪ ጭንቀት ከምዝዀነ እዩ ብተደጋጋሚ ዝርአ።” ምቍራጽ መድሃኒት ኣብ መዳጐኒ ሰብዕ ይኹን ኣብ ካልእ ማእከላት ምዝርጋሕ መድሃኒት ዝጻወር ዓባይ ሰዓል የኸትል ከምዘሎ እቲ ማሕበር የረድእ።
እቲ ጸብጻብ ኣብቶም ሓደስቲ ናብቲ መዳጐኒ ዝኣተዉ ዝርአ ዓጸቦ ካብቲ ኣብቶም ተዳጒኖም ዝጸንሑ ብኽልተ ዕጽፊ ኸምዝዓቢ የረድእ። እዚ ድማ ስደተኛታት ኣብ ኢድ ኣስገርቲ ዝገጥሞም ኣተሓሕዛ ካብቲ ኣብ መዳጐኒ ዘሎ ዝሓስም ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
“ኣብዚ መዳጐኒ ማእከል እዚ ሎሚ እንርእዪ ዘለን መርኣያ ናይቲ ሓልዮት ህይወት ዘይብሉ ጨካን ኣገባብ ኣተሓሕዛ እዚ ጉዳይ እዩ፡” ይብል ካርሊን ክለየር፡ ሓላፊት ህጹጽ ኩነታት ኣብቲ ማሕበር።
“ብዛዕባ እቲ ንህይወት ሰብ ንምዕቃብ ዘድሊ መሰረታዊ ኣድላይነታት ኢና ንዛረብ ዘለና። መግቢ፡ መዕቀልን መሰረርታዊ ኣገልግሎታትን ብስሩዕ ኣገባብ ክቕረቡ ዘይከኣል እንተዀይኑ ሰብ መዚ ሊብያ ብስሉጥ ክፈትሕዎም ኣለዎም።”
ኩላቶም እቶም ክሳዕ 670,000 ዝግመቱ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ነቲ ምምንጣል ገንዘብ፡ ምቕጥቃጥን ካልእ ሕሱም ኣተሓሕዛን፡ ጾታዊ ጐነጽን ምዝመዛን ዘጠቓልል ሓያሎ ዓይነታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተቓልዑ ምዃኖም ሓካይም ብዘይዶብ ይገልጽ። መንግስቲ ሊብያ ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ 5,700 ስደተኛታት ብመንግስቲ ኣብ ዝካየድ ከም ሰብዕ ዝኣመሰሉ መዳጐኒታት ዓጽይዎም ይርከብ።
ሊብያ ብቐጻሊ እያ ናብ ኤውሮጳ ዘምርሑ ስደተኛታት ዓጊታ ትመልስ። ሓለዋ ባሕርን ካልኦት ኣካላትን ኣብ ቀዳሞት ክልተ ኣዋርሕ 2019 እንተወሓዱ 1,000 ስደተኛታት ናብ ሊብያ መሊሶም።
TMP – 28/03/2019
ስእሊ፦ ጊሎም ቢኔ/ Myop / ሓካይም ብዘይዶብ። ዘብዐኛ ኣብ ትሪፖሊ፡ ሊብያ ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ኣቡ ሰሊም ማዕጾ እናዓጸወ። 2017።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ