ብሪጣንያ ነጋዶ ደቅ-ሰብ ዝጥቀሙሎም ኣገልግሎታት ማሕበራዊ መራኸቢ ፈይስ-ቡክ ንምጽባብ ትሰርሕ
መንግስቲ ዓባይ–ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንኸም ፈይስ–ቡክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም መናሃርያ ዘይሕጋዊ ንጥፈታቶም ዝጥቀምሉ ዘለው ነጋዶ ደቅ–ሰብ ናይ ምድቓቕ ስራሕ ክጅምር ምዃኑ ሓቢሩ።
ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ዓባይ–ብሪጣንያ ብዝሓበርኦ መሰረት፡ መንግስቲ እታ ሃገር ነጋዶ ደቅ–ሰብ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንኤውሮጳ ክሰግሩ ንዝብህጉ ስደተኛታት ንምርኻብ ዝጥቀሙለን ኣስታት 500 ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣለልዩ ምህላው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ዝበዝሓ ካብቶም ገጻት ፈይስ–ቡክ ኣብ ዘንጽፎ መድረኽ ዝጥርነፋ ምዃነን እውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ–ብሪጣንያ ተሬዛ መይ፡ ኣብ’ቲ ካብ 19 ክሳዕ 20 መስከረም ናይ’ዚ ዓመት ኣብ ኦስትርያዊት ከተማ ሳልዝበርግ ዝተቓንዐ ዘይስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣባላት ሃገራት እቲ ሕብረት ነቶም ብ ነጋዶ ደቂ–ሰብ ዝስረሓሎም ዘለው ሓደስቲ ሜላታት ኣለልየን ፡ ምስ’ቶም ሜላታት ዝወዳደሩ መግትኢታት ከናድያ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲባ።
“እቶም ገበነኛታት ብዘይቀይዲ ክሰርሑን ህይወት ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ዓብይ ሓደጋ ከውድቚን ዘኽእልዎም ዘለው ሜላታትን ኩነታትን ግድን ክንገትእ ኣሎና!” ዝበለት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ብ ስልኪ–ኣልቦ መድረኻት ዝምርሑ ንጥፈታት ዶባት ዘይገትኦም ብምዃኑ፡ ሃገራ ኣብ ምግታእ ገበናት–ሳይበር ኣዋህሊላቶ ዘላ ተመክሮ ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኽትካፈሎ ድልውቲ ምህላዋ ኣስሚራ።
ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግዲን ደቅ–ሰብ ኣብዚ እዋን እዚ ብዓለም ደረጃ ካብ ዝዓበዩ ዘይሕጋውያን ንግድታት ኮይኑ ምህላው ይፍለጥ። ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ዕጸ–ፋርስን ገበንን (UNODC) ኣብ 2018 ዝዘርገሖ ዓመታዊ ዓለማዊ መጽናዕቲ ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት፡ እቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣብ 2016 ካብ ዘስገሮም ከባቢ 2.5 ሚልዮን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጥራይ ክሳዕ 7 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝገበረ እዩ። እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ፡ ነጋዶ ደቂ–ሰብ ነቶም ከም ዓማዊል ዝርእይዎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ምርካብ – ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘይከሓድ ባይታ ከምዝፈጠረሎም የገንዝብ።
ነጋዶ ደቅ–ሰብ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ቀንዲ መሳርሒ ዘይሕጋዊ ንጥፈታቶም ክጥቀምሉ ዝድርኾም ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቶም ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝጸንዑ ዘለው ዘይሕጋዊ ስደትን ምስግጋር ሰባትን ንምግታእ ዝዓለሙ ፖሊሲታትን ሕግታትን ምኻኖም እዩ ዝንገር። ከም ፈይስ–ቡክ ዝበለ ኣስታት 1.5 ቢልዮን ሰዓብቲ ዘለውዎ ማሕበራዊ መራኸቢን፡ ኣብ ትሕቲኡ ተጠርኒፉ ዘሎ ከባቢ 900 ሚልዮን ተጠቀምቲ ዘለውዎ ብ ዋትስ–ኣፕ ዝጽዋዕ ካልእ መራኸቢን ንነጋዶ ደቂ–ሰብ ምስቶም ናብ ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ከብሉ ዝህንጠዩ ስደተኛታት ብቐሊሉ ንምርኻብ ልዑል ባይታ ፈጢሩ ይርከብ።
ወነንቲ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝኾና ትካላት ዝህብኦ ኣገልግሎታት ንነጋዶ ደቅ–ሰብ ከምዘየርብሕ ገይረን ክሰርዓኦ ዝተፈላለያ ተሓለቕቲ ሰደተኛታትን ናይ ግብረ–ሰናይ ማሕበራትን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ይጽውዓ ኣለዋ። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ.ኦ.ኤም) ካብ ዝሓለፈ ዓመተ 2017 ጀሚሩ ፡ ወነንቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣገልግሎታተን ካብ ተጠቃምነት ነጋዶ ደቅ–ሰብ ንምርሓቕ ዘኽእል ዳግመ–ስርርዕ ክገብራ ጸቕጥታት ይገብር ምህላዉ’ውን ይፍለጥ።
ወሃብ–ቃል ትካል ማሕበራዊ መራኸቢ ፈይስ–ቡክ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2108 ምስ መጽሄት ኒውስ–ዊክ ኣብ ዝገበሮ ቃለ–ምልልስ፡ ኣገልግሎታት ፈይስ–ቡክ ውሑስ ንምግባር ትካሎም ቀጻሊ ናይ ድሕነት መስርሓት የማሕድር ምህላው እዩ ገሊጹ። ንሱ ወሲኹ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቅ–ሰብ ገበን ስለዝኾነ ፡ ነቲ ገበን ብዘተግብሩ ወገናት ኣብ ገጻት ፈይስ–ቡኽ ዝግበር ምውዕዋዕ ፍቑድ ከምዘይኮነ፥ በቲ ዝተጠቕሰ ገበናት ዝጥርጠሩ ወገናት ኣብ ገጻት ፈይስ–ቡክ ንዝገብርዎ ምውዕዋዓት ንምልላይን ንምግታእን ድማ ትካሎም ምስ ከም ፖሊስ ኢውሮጳን (ዩሮ–ፕል) ከምኡ’ውን ካልኦት ኣህጉራውያን ኣውሓስቲ ሕግን ስርዓትን ብቐረባ ይሰርሕ ምህላው ኣረዲኡ።
TMP – 04/10/2018
ስእሊ: Europa.eu። ውሑስ ጉዕዞ ከምዝጓዓዙ ብኣሰጋገርቶም ዝንገሮም ስደተኛታት ኣብ ባይታ ዝጸንሖም ክውንነት ካልእ እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ