ዋዕላ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብጉዳይ ስደት ይዕብለል

28 መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ከተማ ሳልዝበርግ ናይ ኦስትርያ ካብ 19 ክሳዕ 20 መስከረም ተኣኪቦም ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ከጉድሉ ኣብ ዘኽእሉ ኣማራጺታት ተመያዪጦም።

ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምግታእ በቲ ሕብረት ካብ 2015 ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ስጒምትታት ክውሰድ ምጽናሑ ይፍለጥ። ከምዝዝከር፡ ኣብ 2015 ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ናብ ኤውሮጳ ምስ ኣተው፡ ሓያሎ ሃገራት እታ ኣህጉር ኣብ ጉዳይ ስደት መርገጺታተን ክመቓቐልን ኤውሮጳዊ ጽላኣት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክዛይድን ተራእዩ’ዩ። ብዘይካዚ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ከም ሊብያን ቱርኪን ብመለሳ ገንዘባዊ ሓገዛት እተን ሃገራት ዶባተን ከጽንዓን ካብኣተን ዝብገሱ ስደተኛታት ክዓግታን ዝግድዱ ስምምዓት ክኽትማ ተራእየን እየን።

ከም ሳዕቤኑ ቁጽሪ ናይቶም ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትው ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብርኡይ ከንቆልቊል ጸኒሑ። ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ትሕቲ 100,000 ስደተኛታት ጥራይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም ።

ከም ኣካል ናይቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ንምግታእ ዝገብሮ ጻዕርታት፡ እቲ ሕብረት ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ንብዝሒ ኣባላት ናይቲ ብ ፍሮንቴክስ ዝፍለጥ ኤውሮጳዊ ኣሃዱ ሓለዋ ባሕርን መሬትን ናብ 10,000 ክብ ኽብል’ኳ እንተተመያየጣ፡ ከም ጥልያን ዝኣመሰላ ማያውን መሬታውን ከባቢአን ኣብ ምክትታል መሪሕ ተራ ክህልወን ዝመርጻ ሃገራት እቲ ሕብረት ክረዳድኣሉ ዛጊት ኣይኸኣላን።

ብዘይካ’ዚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ግብጺ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ብሓባር ንምስራሕ ይጽዕት ኣሎ። ፕረዚደንት ባይቶ ኤሮጳዊ ሕብረት ዶናልድ ታስክን ቻንስለር ኦስትርያ ሰባስትያን ኩርዝን ምስ ግብጻዊ መራሒ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ብ 16 መስከረም ኣብ ከተማ ካይሮ ኣብ ዝተራኸቡሉ፡ ግብጺ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ስደት ኣመዝጊባቶ ዘላ ዓወታት ሞጒሶም።

እቲ ሕብረት ምስ ግብጺ ዘለዎ ዝምድና ከደልድል ይጽዕት ምህላው፥ ኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ከም ግብጺ ዝኣመሰላ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ስደት ግቡእ ሓላፍነተን ዘልዕላ መሻርኽቲ ከምዘድልይኦ ሓደ በዓል-ስልጣን ኤውሮጳዊ ሕብረት ብ 18 መስከረም ንዝተዛረቦ ቃል ብምጥቃስ ማዕከን ሓበሬታ ኤዩ-ኦብሰርቨር ገሊጹ።

መንግስቲ ግብጺ ዛጊት ነቲ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መፋርቕ ናይ’ዚ ዓመት ዝነቐለ ግብጺ ኣብ መሬታ ስደተኛታት ዝዑቆብሉ፡ ክሳዕ ዝጥረዙ ዝቕየዱሉን መዓስከራት ኽህነጽ ዝብል ሓሳብ ትቃወሞ ምህላዋ ይፍለጥ።

መንግስቲ ግብጺ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደትን ንግዲ ደቅ-ሰብን ንምግታእ ዝተፈላለዩ ስጒምትታት ከምዘካወነ ይፍለጥ። እቲ መንግስቲ ኣሰጋገርቲን ሰጋሮን ኣትሪሩ ዝቐጽዕ ሕጊ ስለዝሰርዐን ሓለዋ ዶባት ስለዘሐየለን ድማ ካብታ ግብጺ ዝብገስ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ቀረባ ባዶ ወሪዱ ይርከብ። ሰነዳት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘነጽሮ፡ ኣብ 2018 ዛጊት ትሕቲ 30 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጥራይ ካብ ገማግም ግብጺ ተበጊሶም ናይ ጥልያንን ግሪኽን ከምዝኣተው’ዩ።

እቲ ኣብ ምዝዛም 2016 ዝወጽአ ሕጊ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ገበነኛ ኮይኖም ንዝርከቡ ወገናት ካብ 2,796 ክሳዕ 11,000 ዶላር ኣሜሪካ ናይ ገንዘብ መዓጻዕትን ክሳዕ ንሕልፈት ማእሰርቲን የገድድ።

ኣብ’ዚ እዋን እዚ፡ ካብ 58 ሃገራት ምዃኖም ዝንገረሎም 230,000 ምዝጉባት ስደኛታት ኣብ ግብጺ ይነብሩ።

TMP – 21/09/2018

ስእሊ፥ ዮኤል ካሪሌት/ኣይ-ስቶክ/ ናይ ስደተኛታት ጃልባ ኣብ ገማግም ማያት ሌዝቦስ ናይ ግሪኽ እንዳዕረፈት