በይና ዝደሓነት ኣብ ጥቓ ኽልተ ሬሳታት ከተንሳፍፍ ተረኺባ
ብ17 ሓምለ፡ 150 ኪሎሜተር ካብ ገምገም ባሕሪ ርሒቑ፡ ጃልባ ምስተሰብረት ካብ ዝሞቱ ሰባት ዝተረፈት ሓንቲ ስደተኛ ኣብ ጥቓ ሬሳታት ሓንቲ ሰበይትን ሓደ ህጻንን ከተንሳፍፍ ተረኺባ።
እታ ጓል 40 ዓመት ካሜሩናዊት ብስጳኛዊት ማሕበር ምድሓን ህይወት ፕሮኣክቲቫ ኦፐን ኣርምስ እያ ተረኺባ። ደረቕን ተንቃሳቓስን ስእልታት ናይቲ ትርኢት በቲ ማሕበር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ስምባደ ፈጢሩ ቐንዩ።
ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ካብቲ ዝተረኽበትሉ እታ ዝደሓነትን ኣብ ዙርያኣ ዝነበረ ሬሳታትን ናብ ስጳኛዊት ደሴት ማዮርካ ተወሲዱ፡ እታ ሰበይቲ ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ዝምልከት ክንክን ይግበረላ ኣሎ።
ካብ ኣብ ኢጣልያ ምዕራፍ ንምንታይ ናብ ስጳኛ ኽኸዱ ኸምዝመረጹ እቲ ማሕበር ክገልጽ ከሎ፡ ሰብመዚ ኢጣልያ ነታ ሰበይቲ እምበር ነቲ ሬሳታት ክቕበልዎ ፍቓደኛታት ከምዘይነበሩ ይገልጽ። እቲ ማሕበር ኣብ ኢጣልያ እንተገዲፎማ ብዛዕባ “ድሕነት እታ ሰበይትን ዝረኣየቶ ብሓቂ ኽትምስከር ዘለዋ ናጽነትን” ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም።
ኣፈኛ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ቓስም፡ 34 ኣንስትን ትሽዓተ ህጻናትን ዝርከብዎም 158 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብ16 ሓምለ ተዓጊታ ኔራ። ኣብ ባሕሪ ስደተኛታት ገዲፎም ዝብል ክሲ ነጺጎም ክነሶም፡ እቶም ስደተኛታት ከመይ ኢሎም ኣብታ ዝዓነወት ጃልባ ጐማ ኸምዝተረፉ መልሲ ኣይሃቡሉን።
ኣካያዲ እቲ ማሕበር ዝዀነ ኦስካር ካምፕስ፡ ሰለስተ ስደተኛታት ናብታ ኸተድሕን ዝመጸት ጃልባ ምድያብ ከምዝኣበዩ፡ ድሕሪኡ እቶም ሓለዋ ባሕሪ ነታ ጃልባ ኣዕንዮም ኣብቲ ማእከል ባሕሪ ጠንጢኖሞም ከምዝኸዱ ይገልጽ።
“እዚ ገበን እዚ ብሰንኪ መምርሒታት ማቴዮ ሳልቪኒ ዝተፈጸመ እዩ፡” ድማ ይብል ንኣገባባት ኣተሓሕዛ ጉዳይ ስደት ኢጣልያን ተሪር ኣገባብ ዝኽተል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ኣመልኪቱ።
“እዚ ቐጥታዊ ውጽኢት ናይቲ ንኤውሮጳ ሊብያ ሃገር ምዃናን መንግስትን ድሕነትን ከምዘለዋን ንምእማን ዝተወስደ ምስ ዕጡቓት ጭፍራታት ናይ ምውዕዓል ውሳኔ እዩ፡” ይብል ካምፕስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዝረግሖ ተንቃሳቓሲ ስእሊ።
ሳልቪኒ ብወገኑ ናብ ሃገሩ ዝቐንዐ ዝዀነ ይኹን ነቐፌታ መርኣያ ትኽክልነት ኣገባባቱ ምዃኑ ገሊጹ። “ሓሶትን ጸርፍን ካብ ሓንቲ ወጻእተኛ ማሕበር ንሕና ትኽክል ከምዘለና ዘርኢ እዩ፦ ካብ ሊብያ ዝብገሱ ምቕናስ ማለት ቁጽሪ ዝሞቱ ምቕናስን ኣታዊ ናይቶም ካብ ዘይሕጋዊ ስደተ ዝናበሩ ምቕናስን እዩ፡” ክብል ኣብ ፈይስቡክ ጽሒፉ።
ድሕሪ እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካምፕስ ማሕበሩ ኣንጻር ሓንቲ ናይ ንግዲ መርከብን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያን ሕጋዊ መረረ የቕርብ ከምዝነበረ ገሊጹ። “ብዘይምሓጋዞምን ሰብ ክመውት ዘፍቅድ ኩነታት ብምፍቃዶምን ኣንጻር መራሒ መርከብ ትሪያደስ ክሲ ከነቕርብ ኢና፡ ብተመሳሳሊ ንመራሒ ናይታ ሊብያዊት ናይ ሓለዋ ጃልባ ክሲ ኸነቕርብ ኢና፡” ኢሉ።
ኣብዚ እዋን እዚ ፕሮኣክቲቫ ኦፐን ኣርምስ እታ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተሪፋ ዘላ እንኮ ኣብ ስርሒታት ምድሓን ህይወት እተካይድ ማሕበር እያ።
TMP – 12/08/2018
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ