ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዕድላት ስሩዕ ስደት ኣብ ምውሓስ ይጽዕት

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት እንዳተሓጋገዘ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ዘይስሩዕ ጉዕዞ ስደት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ካብ ምእታው ክቑጠቡ ኣብ ዘኽእሉ ጽምዶታት ይሰርሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ተሓጋጋዚት ወኪል ድሕነት ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይጀርያ ዝኾነት ብሪጀት ሙካንጋ ኤኖ 28 ሕዳር ኣብ ኣኼባ መሻርኽቲ ኣቲ ኣህጉራዊ ኣካል ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ስሩዕ ስደት ኣፍሪቃውያን ናብ ኤውሮጳ ኣብ ምቅላል ብሓባር ይጽዕቱ ከምዘለዉ ኣረዲኣ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ሰራሕተኛታት ዝደልያ ኩባንያታት ብልዑል ቊጽሪ እንዳሃለዋ፡ ንምንታይ ኣፍሪቃውያን ናብተን ሃገራት ብዘይጸገም ተጓዒዞም ክሰርሑ ዘኽእሎም ቪዛ ክረኽቡ መደባት ዘይንሰርዕ። እቲ ምንታይ መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ነቲ ቪዛ ክረኽቡ ይጽገሙ ብምህላዎም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጉዕዞ ስደት ናብ ኤውሮጳ ይኽተሉ ስለዘለው፡ትብል ንሳ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዕድላት ስራሕን ቁጠባዊ ዕብየትን መንእሰያት ዘውሕሱ ምወላታት ኣብ ምውፋር እዩ ዝርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2018 መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዕድላት ስራሕ ኣብ ምዕባይን ስርዓተ ግብሪ ኣብ ምህዳስን ዝወፍር 115 ሚልዮን ፓንድ ስተርሊን ገንዘባዊ ሓገዝ ምስላዑ ይዝከር። እቲ ሓገዝ ኣብ ሃገር 100,000 ስደተኛታትን ዜጋታትን ዕድል ስራሕ ክፈጥር ምዃኑ ይግመት። ብዘይካ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ምስ ማሕበረሰባት እታ ሃገር ተጸንቢሮም ክነብሩ ዘኽእል ናይ ኣርባዕተ ዓመት መደብ መዊላ ኣላ። ልኡኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጋምብያ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2018 ኣብ ዝሃቦ መግለጺውን፡ ሕብረቱ ኣብ ሃገር ኣስታት 3,000 መንእሰያትን ደቅንስትዮን ዕድላት ስራሕ ዝፈጥር መደብ ሰሪዑ ከምዘሎ እዩ።

ቊጠባዊ ምትእኽኻብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ማለት ...ስ፡  ዜጋታት ኣባላት ሃገራት ብዘይጸገም ክንቀሳቐሱ ዘኽእል ፖሊሲ ሰሪዑ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ዘመልከተት / ሙካኖኢጎ እዚ ኣብ ምዝላቕ ዘይስርዑ ስደት ዜጋታት ተዛማዲ ፍታሕ ፈጢሩ ከምዘሎ ትሕብር።

ከም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ..ድ፡ ሓባራዊ ንግዲ ሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ( ኮሜሳ) ምትእኽኻብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ (..) ዝኣመሰላ ዞባውያን ኣካላትውን ቁጠባዊ ውህደትን ነጻ ምንቅስቓስ ዜጋታትን ኣብ ምኩዋን ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ይርከባ።

እንተኾነ ሓያሎ ኣባላት ሃገራት ኣብ ዝበዝሑ ጉዳያት ክሰማማዓ ስለዘይረኣያ  እቶም ጻዕርታት ኣብ ሓጺር እዋን ውጽኢት ኽረኣዮም ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ። ከም ኣብነት፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2018 ነቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝተነድፈ ዜጋታት ሃገራት እታ ኣህጉራ ብዘይ ቪዛ ኽንቀሳቐሱ ዘኽእል መዝገብ ንምኽታም ኣብ ከተማ ኪጋሊ ናይ ርዋንዳ ዝተሰርዐ ዋዕላ 27 ሃገራት ካብ ምኽታም ተቖጢበንየን።

ኣብ 2018 ልዕሊ 2,150 ስደተኛታት ቅድሚ ናብ ኤውሮጳ ብምጻሖም ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እዩ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝገልጽ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምቅላስ መሰረታዊ ጠንቂ ዘይስሩዕ ስደት ዜጋታቶም ቀጥታዊ ሓልፍነቶም ከልዕሉ እዩ ዝጽውዕ ዘሎ።

TMP – 12/12/2018

ስእሊ፥ ኣሌክሳንድሮስ ሚካይሊዲስ/ ሻተርስቶክ። ሓላፊት ጉዳያት ወጻኢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፈደሪካ ሞግሬኒን ኣቦወንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋጢ ማሓማድ 15 ግንቦት 2017 ኣብ ከተማ ብራስለስ ናይ ቤልጁም ኣብ ዝተራኸቡሉ።