ኣብ ሊብያ ዘሎ ግጭት ኤውሮጳ ናይ ምብጻሕ ተስፋ ሓያሎ ስደተኛታት የማህምን

ኣብ ሊብያ ዝቕጽል ዘሎ ጸጥታዊ ቕልውላው ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ኣብ ሃገር ተዳጒኖም ዘለው ኣሽሓት  ስደተኛታት ብዛዕባ ህይወቶም ኽሰግኡ ጥራይ ዘይኮነ ንኤውሮጳ ናይ ብምጻሕ ሓሳቦምውን ኽምህምን ገይሩ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ዝዝርግሑ ዘለው ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ፡ ኣብ ዝተፈላለያ መዳጎኒ ማእከላት ዝርከቡ ልዕሊ 6,000 ስደተኛታት ኣብ ሞንጎቶም ኣብ ሃገር ዝጓሃሃሩ ዘለዉ ብረታዊ ጎነጻት ተቐርቂሮም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ። ገለ ካብቶም ስደተኛታት መግብን ማይን ይኽልኦም ከምዘሎን፡ ገለ ድማ ብኣሰጋገርቲ ይምዝመዙ ምህላዎምን እቶም ጸብጻባት የረድኡ።

ኣብ ኢጣልያዊ ኢንስትዩቱት ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ መጽናዕትታት ተመራማሪ ዝኾነ ማትዮ ቪላ ከምዝሓበሮ፡ ኣብተን መዳጎኒ ማእከላት ንዝርከቡ ገለ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ውሑስ መንገዲታት ከምዘሎ ካብ ኣሰጋገርቲ ቀጻሊ ጻውዒት ይመጾም ከምዘሎውን ክፍለጥ ተኻኢሉ

ኣብ እዋን እዚ ነቲ ካብ ገማግም ሊብያ ዝብገስ ናይ ጀላቡ ጉዕዞ ዘሰላስላ ዝነበራ ናይ ምልሻ ሓይልታት ኣብ ተወሊዑ ዘሎ ግርጭት ተጸሚደን ብምህላወን፡ ካብ ገማግም ሊብያ ናይ ዝብገሳ ብዝሒ ጀላቡ ብእኡ መንጽር ኽንኪ ከምዝኾነ እዩ ኣቶ ቪላ ዝሕብር።

እተን ናይ ምልሻ ሓይልታት ኣብ ኲናት ተጸሚደን ስለዘለዋ ቊጽሪተን ስደተኛታት ጽዒነን ካብ ገማግም ሊብያ ዝብገሳ ጀላቡ ኽውሕድ ግድንዩ። እዚ ነቶም ካብ ሊብያ ብቕልጡፍ ክወጽኡ ዝምድቡ ስደተኛታት ኣዚዩ ሕማቕ ዕድል እዩ፡ይብል ንሱ።

ነዚ ኩነታት ዘስተብሃሉ ኣሰጋገርቲ ንሓያሎ ኣብ ጸገም ወዲቖም ካብ ሃገር መምለጢ ዘናድዩ ዘለዉ ስደተኛታት ኽምዝምዙ ይረኣዩ ኣለው።

እዚ ግዜ ንኣሰጋገርቲ ኣዚዩ ኣርባሒ ግዜዩ፡ይብል ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ።

ናበይ ከም ነብል ኣይንፈልጥን ኢና። ብዘይ እኹላት ሓለውቲ ኢና ዘሎና፡ እዞም ምሳና ተሪፎም ዘለዉ ክልተ ኣባላት ሓለዋ እውን ሕጂ ክርሕሩሑና እዮም። እቲ ኲናት ድማ ናባና ገጹ እዩ ዝቐርብ ዘሎ፡ይብል ኣብ መዳጎኒ ማእከል ኣቡሳሊም ዝርከብ ካልእ ኤርትራዊ ስደተኛ

ኻልእ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዉን፡ ኣብ እዋን እዚ ኣሰጋገርቲ ኣዝዮም ኣፍሪሖምዎም ከምዘለዉ እዩ።ሊብያ ስደተኛታት ከም ባራዩ ዝሽየጡላ ሃገር እያ። እቶም ኣሰጋገርቲ ናብ ቦታኦም ወሲዶም ገንዘብ ብሓይሊ ኽንከፍል ይሓቱና፡ እንተዘይብልካ ይገርፉኻ። ነዋልድ ይዕምጹወን፡ ንደቅተባዕትዮ እውን ይዕምጹ እዮም፡ይብል ንሱ።

መንግስታት ሃገራት ኤውሮጳ ካብዘን ዝሓለፋ ቀረባ ዓመታት ጀሚሮም ነቲ ካብ ሊብያ ናብ ሃገራቶም ዝብገስ ዋሕዚ ዘይስሩዕ ስደት ንምግታእ ተረርቲ ሕግታት ከሕልፉ ጸኒሖም ኣለው። ንኣብነት፡ ኣብ 2018 ጥልያን ነተን ኣብ ምድሓን ህይወትቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝወድቊ ስደተኛታት ዝነጥፋ መራኽብ ወደባታ ዓጽያ እያ። ኣብ ዓመት እቲውን ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ልዕሊ 15,000 ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምዕጋት ናብ ሊብያ መሊሰንኦም እየን።

ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳዕ መጋቢት ናይ ዓመት ትሕቲ 500 ሰባት ጥራይ ካብ ሊብያ፣ ቱኒዝያን ኣልጀርያን ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ከምዝበጽሑ ኤውሮጳዊ ትካል ሓለዋ ዶባት ማለት ፍሮንቴክስ ይሕብር።

እዋናዊ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ..ኤም) ከምዘመልክቶ እዉን ኣብ ዓመት እዚ ህይወት 409 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ኣሎ።

TMP – 16/05/2019

ስእሊ፡ ሻተርስቶክ ኮም

ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ሞንጎቶም  ኣብ ሊብያ ዝቕጽሉ ዘለው ግርጭታት ተቐርቂሮም ኣለው።