ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ይጣየሱ
ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ካብ ሰነ 2017 ክሳብ መጋቢት 2018 ን615 ሱዳናውያን ናብ ቤቶም ክምለሱ ከምዝሓገዘ ገሊጹ።
ብመደብ ሰብኣዊ ወለንታዊ ምምላስ ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ሃገሮም ምስተመልሱ ብኣእምሮ ነቲ ኣብ ጕዕዞኦም ዝሓለፍዎ ማህሰይቲ ኽገጥምዎ ምእንቲ ክኽእሉ ደገፍ ይግበረሎም። ብተወሳኺ ንመጻኢ ኣብ ማሕበረሰቦም ክጣየሱ ዝሕግዝ መደባት ንኽሕንጽጹ ደገፍ ይግበረሎም።
ብሊብያ ዝሓልፉ ስደተኛታት ብዙሕ ግዜ ኣብ ናይ ውርደትን ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ሞት ዘእቱ ኹነታትን የእትዎም፡ ከምኡ ድማ ብሓይሊ ይዳጐኑ፡ ሕሉፍ ጐነጽን ኣካላዊ ስቓይን ይወርዶም፡ ከም ባራዩ ዀይኖምውን ይሰርሑ።
ኣብ ሓደ ኻብ ብዙሕ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታት ኣብ ሊብያ ንሓደ ጉጅለ ሱዳናውያን ቈርበቶም እናንደድዎምን እናጨጕረፍዎምን ዘርኢ ተንቃሳቓሲ ስእሊ ተዘርጊሑ። እቶም ተሓዝቲ ናይቶም ስደተኛታት ካብ ስድራቤት እቶም ስደተኛታት ኣሽሓት ዶላር ክሓርጡ እዮም ነቲ ስእልታት ልኢኾሞ። መንግስቲ ሱዳን ነቲ ውርደት ብምዅናን ነቶም ዜጋታቱ ቅልጡፍ ሓገዝ ክግበረሎም ምስጠለበ ሓይልታት ሊብያ ኣብ ዘለዉዎ ረኽቦም ሓራ ኣውጺኦሞም።
ምስ ኤርትራውያን፡ ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ብምትስፋው ናብ ሊብያ ይኸዱ። ዋና ጸሓፊ ማሕበር ኣብ ወጻኢ ዝሰርሑ ሱዳናውያን ኣምባሳደር ዶክተር ከራር ኣል ቱሃሚ፡ “ዓለም እትገጥሞ ዘላ ቐጻሊ ብድሆታት ስደት ዝያዳ ምትሕግጋዝ ብዝርኣየሉ ጻዕርን ዝምድናታትን ጥራይ እዩ ኽሰዓር ዝከኣል፡” ይብል።
“ናይዚ እንተላይ ምጽንባር እቶም ተመለስቲ ዝቕበሉ ማሕበረሰባት ዘጠቓልል ኣገባብ ምጥያስ ክዕወት ውፉያት ኢና። ንዳግመውህደት ሱዳናውያን ስደተኛታት መንእሰያት ብፍላይ ካብ ኣብ መጻኢ ምስዳድ ብዝድሕኑሉ ኣገባብ ኣማራጺ ንኽረኽቡ ከኽእሎም ተስፋ ኣለና፡” ይውስኽ ኣል ቱሃሚ።
ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ሓፈሻዊ መጣየሲ መደብ ብምቕራብ ኣብ ሱዳን ኣብ ማሕበረሰባቶም ህይወቶም እንደገና ኽጅምሩ ንስደተኛታት ይሕግዝ። እቲ መደብ ኣብ ዞባዊ ልምዓት ኣበርክቶ ዘለዎን ንገለ ኻብቶም ናብ ስደት ዝደፍኡ ረቛሕቲ ዘጕድልን እዩ።
ኣገዳሲ ኽፋል ናይቲ ናይ ዳግመ ምጥያስ መደብ ክፋል ናይ ኣእምሮ ደገፍን ማሕበረኣእምሮኣዊ ጥዕና ንምሕላውን ዘኽእል ናይ ምኽሪ መደብ እዩ። ተመለስቲ ህወቶም ዳግም ንምጅማርውን ምኽሪ ይወሃቦም።
ካብ 17 ሚያዝያ 2018 ሚእትን ትሽዓተን ናይ ዳግመ ምጥያስ ምኽሪ ዝተዋህቦም ተመለስቲ ናይ ክእለታትን ንግድን ዕቤት ስልጠና ኽወሃቦም እዩ።
“ካብ ሊብያ ምስዝተመልሱ ሱዳናውያን ብምስርሐይ እቲ ብሰንኪ እቲ ጕዕዞ ዘጋጥሞም ማህሰይቲ ጥዕና ኣእምሮ እንታይ ምዃኑ ኽርዳእ ክኢለ እየ፡” ትብል ኣካያዲት ባህላዊ መለላለዪን ስነኣምሮኣዊ ደገፍን ኣይ ኦ ኤም ኣብ ሱዳን ዝዀነት ረዋን ሓምድ።
ወሲኻ፡ “ሰለሎ ኣእምሮ በጺሕዎም፡ ኩሉ ዓይነት ኣካላዊ ዓመጽ ወሪዱዎም ዝተሰብረ ሕልምታቶም ጥራይ ኢዶም ገዛ ኽምለሱ ስለእንርእዮም ማሕበረኣእምሮኣዊ ደገፍን ስነኣምሮኣዊ ሓገዝን ግድን ከምዘድልዮም ኢና እንፈልጥ፡” ትብል ረዋን ሓምድ።
“ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ቤቶም ብሰላም ክምለሱ ኽንሕግዝ ከለና፡ እቲ ሓባራዊ ጻዕርታት ኣብዛ ሃገር ዝደልደለ ስርዓተ ደገፍ ንኽህሉ ዘተባብዕን ኣብቲ ናብ ቤቶምን ናብ ማሕበረሰቦምን ዝሕወሱሉ መስርሕ ዘሐይልን እዩ፡” ትብል ኣብ ኣይ ኦ ኤም ሱዳን ሓላፊት ዳግመምጥያስ ዝዀነት ሊንዳ ኦናስ።
TMP – 26/07/2018
ስእሊ፦ ኣይ ኦ ኤም። ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ይምለሱ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ