ሃንጋሪ ንስደተኛታት ሓገዝ ምሃብ ገበን ክትቈጽሮ እያ
መንግስቲ ሃንጋሪ ኣብታ ሃገር ንስደተኛታት ምሕጋዝ ከም ገበን ከምዝቝጸር ዝገብር ኣካራኻሪ ሕጊ ከተኣታቱ እዩ።
እቲ ሕጊ ብኸምዚ ዘለዎ፡ ንሓተትቲ ዑቕባ ዝሕግዝ ሓበሬታ ዝሓዘ ጽሑፋት ምሕታም፡ መግቢ ምሃቦም ወይ ሕጋዊ ምኽሪ ምሃቦም ከም ገበን ከቝጽር ዝኽእል ምዃኑ ቢቢሲ ይሕብር።
መንግስቲ ቪክቶር ኦርባን ነቲ መበቈል ሃንጋሪ ዘለዎ ገባሪ ሰናይ ጆርጅ ሶሮስ ከም መህደሚ ኽጥቀመሉ ንምፍታን ናብ ኤውሮጳ ስደት ኣመንቲ ምስልምና ኸምዘተባብዕ ስለዘኸሶ ጸረ-ሴማዊ ኣመታት ዘለዎ ኽሲ ምዃኑ ኽጥቀስ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ብ5 ሰነ ኣብቲ ክልተ ሲሶኡ መንግስቲ ቪክቶር ኦርባን ዝቈጻጸሮ ፓርላማ ሃንጋሪ ንኽትዕ ዝወረደ ንድፊ ሕጊ ክፋል ናይቲ በቲ ቐዳማይ ሚኒስተርን መሻርኽቱን ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣንጻር ዋሕዚ ስደት እዩ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ እቲ ንድፊ ድምጺ ኽወሃቦን ከም ሕጊ ኽሓልፍን ተስፋ ይግበር።
ሃንጋሪ ሓንቲ ኻብተን 160,000 ኣብ ዝተጨቓጨቐ መዓስከራት ኢጣልያን ስጳኛን ዝርከቡ ሶርያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ፋሕ ክብሉ ንዝብል መደብ ዝነጸጋ ሃገራት እያ።
ብመሰረት ኣልጀዚራ፡ መንግስቲ ኦርባን ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ለውጥታት ብምግባር ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ሃንጋሪ ስደተኛታት ከይልእካ ክኽልክል ይደሊ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ዝነጥፋ ከም ሄልሲንኪ ኮሚቲን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ዝኣመሰላ ማሕበራት፡ መንግስቲ ሃንጋሪ ነቲ ሰብኣዊ ሕጋዊ ደገፍ ናብ ገበን ዝቕይር ሕጊ ኽገድፎ ይጽውዓ ኸምዘለዋ፡ ቲ ኣር ቲ ወርልድ ይሕብር።
ማርታ ፓርዳቪ ካብ ሄልሲንኪ ኮሚቲ፡ እቲ ንድፊ “ኣብ ስልጡን ሃገር፡ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብግዝኣት ሕጊ ኣብ እትመሓደር ሃገር ፈጺሙ ቦታ ዘይብሉ እዩ፡” ትብል።
እቲ ንድፊ፡ ስደተኛታት ክድግፉ ንዝተረኽቡ ሰባት ክሳብ ዓመት ዝበጽሕ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ክብየን ይጽውዕ።
TMP – 29/06/2018
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ