ቁጽሪ ብፍቓዶም ብመገዲ ኣይ ኦ ኤም ኒዤር ዝምለሱ ስደተኛታት ይውስኽ

ስእሊ፡ ኣይ ኦ ኤም። ኣብ ማእከል መሰጋገሪ ደቀንስትዮ ክምለሳ ሓገዝ ዝግበረለን ስደተኛታት

ወኪል ስደት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒዤር፡ ክሳዕ ሓምለ ሎምዘበን ካብቶም ናይ ዝሓለፈ ምሉእ ዓመት ዝበዝሑ ስደተኛታት ናብ ናይ መበቈል ሃገራቶም ከምዝተመልሱ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ሓምለ ናይዚ ዓመት ልዕሊ 10,000 ናብ ሃገራቶም ክምለሱ ኸለዉ፡ ዓሚ 7,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ጥራይ እዮም ኣብ ምሉእ ዓመት ተመሊሶም። እቲ ብዝሒ ተመለስቲ ብቐንዱ፡ ካብ ኣልጄርያ ናብ ኒዤር ዝውሕዙ ስደተኛታት ብምብዝሖም ዝተበገሰ እዩ።

ኣብ ግንቦት 3,400 ዝዀኑ ስደተኛታት ብፍቓዶም ናብ ሃገራቶም ክምለሱ ኸለዉ፡ እቲ ቑጽሪ ክሳብ ሕጂ ኻብ ዝተመዝገበ ኣብ ሓደ ወርሒ ዝተራእየ ብዝሒ ዝለዓለ እዩ። ናይ ሎምዘበን ቁጽሪ ተመለስቲ ምስቶም 1,721 ናይ 2015 ከምኡ ድማ 5,000 ናይ 2016 ተራእዩ ኣዝዩ ልዑል ወሰኽ እዩ።

ልዕሊ 12,000 ካብቶም ኣብ መሰጋገሪ ማእከላት ኣይ ኦ ኤም ዝበጽሑ ስደተኛታት ዝዀነ ይኹን መለለዪ ወረቓቕቲ ኣይነበሮምን። ኒዤር ምስ እትርከበን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ልዕሊ 5,000 ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ተሰሪሑ።

ናብ 90 ሚእታዊት ዝቐርቡ ኻብቶም ልዕሊ 8,000 ካብ ሓደጋ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ 84 ናይ ምድላይ ስርሒታት ኣብ ጥቓ ዶብ ኒዤርን ኣልጄርያን ከምዝተረኽቡ ኣይ ኦ ኤም ይገልጽ።

“እዞም ናይ ኣይ ኦ ኤም ጉጅለ፡ ብፍቓዶም ናይ ኩሎም ኣብ ምድረበዳ ዝደሓኑ ይኹኑ ኣብ ኒዤር ኰይኖም ደገፍና ዝሓተቱ ዝምለሱ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ጉዳያት ክሳልጡን ድሕነትን ሓገዝን ንምቕራብን ብዘይዕረፍቲ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ፡” ይብል ጁሰፐ ሎፕሬተ መራሒ ተልእኾ ኣይ ኦ ኤም ኣብ ኒዤር።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶስዬይትድ ፕረስ፡ ካብ ግንቦት 2017 ንደሓር ኣልጄርያ ንልዕሊ 13,000 ስደተኛታት ኣብቲ ልዕሊ 40 ደረጃ ሴንቲግሬድ ዝበጽሕ ሙቐት ዝረኣዮ ሓደገኛ  ምድረበዳታት ኒዤርን ማሊን ደርብያትቶም።

“ብዙሃት ነፍሰጾራትን ቈልዑን ዝርከብዎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብዘይመግብን ማይን ልዕሊ 30 ደረጃ ሴንቲግሬድ ሙቐት ኣብ ዘለዎ ምድረበዳ ተደርብዮም ንማይላት ክጕዓዙን ኣብ ምድረበዳ መዕቀሊ ኸናድዩን ኣይግባእን እዩ፡” ይብል ጠቕላሊ ኣካያዲ ኣይ ኦ ኤም ዊልያም ሌይሲ ስዊንግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣልጄርያ ሓሰን ቓስሚ ነቲ ኹነታት ብኸምዚ ኽገልጾ ይፍትን፡ “ኣይ ኦ ኤም ከምዘይሕግዞም ኣይገልጽን እዩ ዘሎ (ኣብ ኣልጄርያ ኸለዉ)። ኣልጄርያ እያ ንጕዕዞ ዝኸውን መግቢ ቘጺራ ማይ እትዕድሎም።”

ናይ መወዳእታ ዙርያ ምስጓጕ  ብ15 ሓምለ ኸምዝተኻየደ፡ ብመሰረት ሓደ ኒዤራዊ በዓል ስልጣን፡ ብኣልጄርያ ዝሓልፉ ዝነበሩ 600 ስደተኛታት፡ “ብኸምቲ ልሙድ ጨካን ኣገባብ ኣብ ጥቓ ዶብ ኒዤር” ከምዝተደርበዩ፡ ኣዣንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

“እቶም ስደተኛታት ከምዝገለጽዎ ናብ ዶብ ተወሲዶም እዮም ተደርብዮም፡” ይብል እቲ በዓል ስልጣን። “ውሑድ ማይን መግብን ተገዲፉሎም፡ ቅድሚ ምድሓኖም ጽቡቕ ጌሩ 50 ኪሎሜተር ዝበጽሕ ርሕቀት ብእግሮም ተጓዒዞም፡” ይብል።

TMP – 07/09/2018