ልዕሊ 400 ዘይሕጋውያ ስደተኛታት ኣብ ኣጻምዕ ሳሃራ ድሒኖም
ብእግሪ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ልዕሊ 400 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ዶባት ኒጀርን ኣልጀርያን ብሓንቲ ኣብ ኮለላን ምድሓን ሂወትን እትነጥፍ ኣሃዱኡ ከምዝተረኽቡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ.ኦ.ኤም) ሓቢሩ።
እቶም ካብ ሓደገኛ ጉዕዞ ድሒኖም ዝበሃሉ ዘለው ስደተኛታት ካብ ማሊ ፡ ጒኒን ሰኔጋልን ዝመጽኡ ዝርከብዎም ዜጋታት 13 ሃገራት ኣፍሪቃ እዮም። ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ቃልዕ ከባቢ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝተረኽቡ ስደተኛታት ናብ ግዝያውያን መዓስከራት ተወሲዶም ናይ መግቢ፡ማይን ሕክምናን ደገፋት ከምእተገብረሎም’ውን ይግለጽ።
ኒጀር ካብ ቀንዲ መተሓላለፍቲ ሃገራት ንዓሰረታት ኣሽሓት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኾይና ምህላዋ እዩ ዝሕበር። ሓያሎ ስደተኛታት ብመንገዲ እታ ሃገር ኣቢሎም ናብ ኣልጀርያን ሊብያን ብምብጻሕ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሶም ናብ ኤውሮጳ ኽኣትው ዝምድቡ’ዮም። ጉዕዞ ሳሃራ ልዑል ምቐትን ሕጽረት ዝስተ ማይን ብቐጻሊ ዝረኣየሉ ጉዕዞ እዩ። ብዙሓት’ውን ኣብ ማእከል ኣጻምእ ብኣሰጋገርቶም ተራሕሪሖም ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይረአ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኒጀር ድኻታት ስደተኛታት ከም መተሓላለፊት ዝጥቀሙላ ሃገር ኮይና፡ 90 ሚእታዊት በታ ሃገር ሓሊፎም ናብ ኤውሮጳ ከብሉ ዝምድቡ ስደተኛታት ዜጋታት ምዕራብ ኣፍሪቃ እዮም። ስደተኛታት ኣዚዩ ትሑት መጠን ገንዘብ ዝጠልብ ውሑስ ጉዕዞን ኣብ ኤውሮጳ ምስኣትው ድማ ርቡሕ መነባብሮን ከምዘሎ ብኣሰጋገርቶም ክታለሉ ከምዝረኣዩ እዩ ዝንገር። ስለዝኾነ እቶም ስደተኛታት ኪንዮ’ቲ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሞም ባሕርያዊ ተጻብኦታት ካብ ዝተበገሱሉ ክሳዕ ኤውሮጳ ኣብ ዘሎ ክሳዕ 24,000 ዶላር ኣሜሪካ ከባኽኑ ከምዝግደዱ ይግለጽ።
እዞም ኣብ ኣጻምእ ሳሃራ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝተረኽቡ ስደተኛታት ናይ መጀመርያ ግዳያት ኣይኮኑን። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናይ’ዚ ዓመት እውን ብኣሰጋገርቶም ተራሕሪሖም ኣብ ዶባት ኒጀርን ኣልጀርያን ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝጸንሕዎ ስደተኛታት ከምዘድሓነ ይሕብር።
መንግስቲ ኒጀር ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ–ሰብ ንዝዋፈሩ ገበነኛታት ክሳዕ ናይ 30 ዓመታት ጽኑዕ ማእሰርቲ ዝቐጽዕ ሕጊ ኣብ 2015 ከምዝተኣታተወ፥ ሓለዋ ዶባት ሃገሩ ከጽንዕ ድማ ይጽዕት ምህላው ይንገር።
ናይ’ዚ መርኣያ ካብ 2016 መንግስቲ ኒጀር ዛጊት 300 ኣሰጋገርቲ ከምዝኣሰረ፡ ልዕሊ 170 ኣብ ምስግጋር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝነጥፋ ናይ ጽዕነት መኻይን ድማ ከምዝሃገረ ይሕበር። ስለዝኾነ ኣሰጋገርቲ ካብ ስደተኛታት ዝጠልብዎ ዋጋ ክንህርን ተርእዮታት ጭውያ–ንገንዘብ ክዛይድን ይረአ ኣሎ።
TMP – 21/09/2018
ስእሊ: www.enca.com. ገለ ኣብ ኣጻምእ ኒጀር ካብ ዝደሓኑ ስደተኛታት
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ