ሱዳን፥ ካብ ነጋዶ ደቅ-ሰብ ነጻ ዝወጽኡ ቆልዑ ናብ ስድራቤቶም ይጽንበሩ

ሱዳናውዊ ሃገራዊ ኮሚቴ ንቓልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቅሰብ ካብ መጭወይቲ ነጋዶ ደቅሰብ ነጻ ዝወጽኡ 80 ቆልዑ ነናብ ስድራኦም ከምዘረከበ 27 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ ሓቢሩ። ብመሰረት መግለጺ ምኽትል ኣቦወንበር እቲ ኮሚቴ ኣቶ እስማዒል ጢራብ፡ እቶም ግዳያት ንግዲ ደቅሰብ ኮይኖም ዝጸንሑ ቆልዑ ናብቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትን ካልኦት ከባቢታትን ሱዳን ዝነብሩ ስድራቤቶም ክጽንበሩ ከምዝተገብረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ነቶም ቆልዑ ሒዞምዎም ዝጸንሑ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ምህላዎም ዝጠቐሰ ኣቶ ጢራብ፡ ኮሚቴኡ ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንድሕነት ህጻናት ሱዳን ብምትሕብባር ንዝተረፉ ስድራቤቶም ዛጊት ዘይተረኽቡ ግዳያት ናብ ወገናቶም ንምጽንባር ስራሓት ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

እቶም ካብ 13 ክሳዕ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ግዳያት፡ ብኣሰጋገርቲ ናብ ኻልእ ቦታ ክግዕዙ፡ ሻርጀል ኒል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ከተማ ኻርቱም ኣብ ናይ ሓጺን ኮንተይነራት ተቖሊፎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ 24 ሓምለ ብኣባላት ፖሊስ እቲ ከባቢ ድሕሪ ዝተኻየደ ስርሒት እዮም ድሒኖም።

ምኽትል ጸሓፊ ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ዞባ ኻርቱም ኣቶ ሙጣሲም ዓብደል ሬድዮ ዳባንጋኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ግዳያት ኣብቲ ተጸፍጺፎምሉ ዝጸንሑ ኮንተይነራት ብኣሰጋገርቲ ከምዝተገርፉ፥ ብሰንኩ ድማ ኣብ ከቢድ ኣካላውን ስነኣምሮኣውን ነውጺ ወዲቖም ከምዝተረኽቡን ኣብሪሁ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ክሳዕ ፈለምቲ መዓልታት ወርሒ ሓምለ ናይ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜያት ብጠቕላላ 642 ግዳያት ንግዲ ደቅሰብ ነጻ ከምዘውጽኡ መንግስታዊ ሰነዳት እታ ሃገር ዘረድእ።

ከም ምንጭን መተሓላለፊትን ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት፡ ከምኡውን ንግዲ ደቅሰብ  እትጥቀስ ሱዳን፡ ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ጀሚራ ነቲ ተርእዮ ንምግታእ ተረርቲ ስጒምትታት ኣብ ምምሕዳር ከምዘላ እዩ ዝንገር። ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅሰብ ኣብ ልዕሊ ዝነጥፉ ገበኛታት ካብ 20 ዓመታት ጽኑዕ ማእሰርቲ ክሳዕ ሞት ዝቐጽዕ ሕጊ፡ ገለ ካብቶም ስጒምትታት እዩ።

ብዘይካዚ፡ እታ ሃገር ኣብ ምቅላስ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደትን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ገበናትን ምስ ሃገራት ኤውሮጳን  ሕብረት ኤውሮጳን ስትራተጂካውያን ዝምድናታት ኣብ ምትርናዕ ብቐጻሊ ትሰርሕ ምህላዋ ይሕበር። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ሱዳን ኣብቶም ነጋዶ ደቅሰብ ከም መናሃርያ ዝጥቀምሎም ከባቢታት ሃገሩ ዘሎ ጸጥታዊ ሓለዋ ኣብ ምብራኽ ይርከብ። እታ ሃገር ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ምብራቓዊ ከባቢታት፡ ከምኡውን ዶባት ኢትዮጵያን ሊብያን ካብቶም ነጋዶ ደቅሰብ ብብዝሒ ዝጥቀምሉ መስመራት ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ምስ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOM ብምትሕብባርውን እታ ሃገር ካብ 2018 ክሳዕ 2019 ዝኸይድ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅሰብ ንምድቓቕ ዝዓለመ ሃገራዊ መርሓ ኣውፊራ ኣላ።

ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሱዳን ሒዛቶ ዘላ ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ዓለም 8 ተርታ ሒዛ ምህላዋ እዮ። ኣብ ግዜዚ፡ ኣብ ሃገር 906,000 ስደተኛታት ከምዝርከቡ እዩ እቲ ጸብጻብ ዘረድእ።

TMP – 13/08/2018

መዓስከር ሸገራብ ዝርከቡ ቆልዑ ስደተኛታት ናብ ቤትትምህርቲ እንዳምርሑ። ስእሊ፥ሳሊ ሃይደን/ ኣይሪሽ ታይምስ