ስደተኛታት ነታ ዘድሓነቶም መርከብ ብምጭዋይ ተኸሲሶም
ሰለስተ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኤውሮጳ ኽኣትዉ ዝፈተኑ ስደተኛታት ንሓንቲ ናይ ቱርኪ መርከብ ብምጭዋይ ተኸሲሶም ኣለዉ።
ኣባላት እታ መርከብ ልዕሊ 100 ሰብኡት፡ ኣንስትን ህጻናትን ቈልዑን ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ምስኣድሓኑ እታ መርከብ ጉዕዞኣ ናብ ሊብያ ትቕጽል ኔራ። እንተዀነ፡ እታ ኣል–ሂብሉ 1 ዝተሰምየት ንእሽቶ ናይ ነዳዲ መርከብ ናብታ ተዳጒኖም ስቓይን ውርደትን ዘሕለፉላ ሊብያ ትመልሶም ከምዘላ ምስተረድኦም በቶም ስደተኛታት ተጨውያ። ጸኒሓ እታ መርከብ ኣብ መልጣ ኸተዕርፍ ተገዲዳ።
መራሒ እታ መርከብ፡ ሓንቲ ናይ ኤውሮጳ በራሪት ኣብ ሓደጋ ብዛዕባ ዝነበሩ ሓገዝ ዘድልዮም ስደተኛታት ከምዝሓበረቶ ይገልጽ።
“ናብ ጃልባ ኸስግሮም ከለኹ ናብ ሊብያ ኸይመልሶም ፈሪሆም ምስጋር ዝኣበዩ ሽዱሽተ ኔሮም፡” ይብል።
መራሒ እታ መርከብ፡ እቶም ስደተኛታት ኣንፈት ቀዪራ ናብ ሊብያ ትምለስ ከምዘላ ክሳዕ ጥቓ ትሪፖሊ ዝበጽሑ ኸምዘየስተውዓሉ ይገልጽ። እቶም ስደተኛታት ኣዝዮም ከምዝተጨነቑን ፈጺሞም ናብ ሊብያ ኽምለሱ ኸምዘይደለዩን ይገልጽ።
“እታ መርከብ ናብ ሊብያ እንተቐጺላ ነታ መርከብ ከዕንውዋ ምዃኖም ብምግላጽ ኩላቶም ብሓጻውን ንኣካላት እታ መርከብ ክሃርሙን ክጨፋልቑን ጀሚሮም። ዘርዕድ እዩ ኔሩ። ብዛዕባ እቶም ኣባላተይ እንተዘይኰኑ ናይታ መርከብ ኣይገደሰንንን፡” ይብል።
እቲ መራሕ መርከብ ናብ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ደዊሉ ብዛዕባ እቲ ኹነታት ሓቢሩ ኣንፈት ይቕይር ከምዘሎ ኣፍሊጡዎም። “እንተተመሊስና ክቐትሉኒ እዮም፡ ክቐትሉና እዮም። ንኸይድ ኣለና፡” ኢሉዎም።
ኣብ ፈለማ ኢጣልያን መልጣን ኣብ ወደበን ምዕራፍ ከልኪለንኣ። እንተዀነ፡ ፍሉያት ወተሃደራውያን ሓይልታት መልጣ ናብታ መርከብ ተሳፊሮም ብምሓዝ ንኣባላት እታ መርከብ ናብ ቍጽጽር መሊሶሞም።
እቶም ካብ ጊኒን ኣይቮሪ ኮስትን ዝመጹ ሰለስተ ኽሱሳት ገበነኛታት ኰይኖም እንተተረኺቦም ከቢድ ማእሰርቲ ይጽበዮም። ኣብ መልጣ ዝፈልጥዎ ስለዘይብሎምን ክኸፍሉ ዝኽእሉሉ መገዲ ስለዘይብሎምን ብዋሕስ ከይወጹ ተኸልኪሎም ኣለዉ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማቴዮ ሳልቪኒ ነቶም ነታ መርከብ ዝተሳፈርዋ ዕጡቓት ሓይልታት መልጣ ንኢድዎም።
“እዚኣቶም ኣብ ሓደጋ ጃልባ ዝነበሩ ዘይኰኑ ቐርሰንቲ እዮም፡ ንኢጣልያ ብቴለስኮፕ ጥራይ እዮም ክርእይዋ፡” ይብል ሳልቪኒ ብዛዕባ እቶም ስደተኛታት።
“ስደት ብገበነኛታት ዝካየድ ስለዝዀነ ብዝዀነ ይኹን ዝከኣል ኣገባብ ክዕገት ኣለዎ፡” ብምባል፡ ነቲ ኣጋጣሚ “ኣብ ማእከል ባሕሪ ብስደተኛታት ዝተኻየደ ናይ ፈለማ ተግባር ቅርሰና፡” ኽብል ጸዊዕዎ።
እንተዀነ፡ ከም ሲ ዎች ዝኣመሰሉ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት እቶም ስደተኛታት ናብቲ ስቓይን ውርደትን ከጋጥሞም ዝኽእለሉ ቦታ ብዘይፍቓዶም ይምለሱ ስለዝነበሩ እቲ ኣጋጣሚ ከም ቅርሰና ኽሕሰብ ከምዘይክእል ይገልጹ።
“እቲ ኣብ ሊብያ ሰባት ዘለውዎ ኣስካሕካሒ ኹነታት ብብዙሓት ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ተኸታተልቲ ሰብኣዊ መሰላት ተሰኒዱ እዩ። በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስርርዕ ስደተኛታት ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ስቓይ፡ ጾታዊ ጐነጽ፡ ምጭዋይ፡ ምቕማዕ፡ ባርነትን ቅትለትን ከምዘጋጥሞም ዝተፈልጠ እዩ። ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝጸንሑ ሰባት ናብ ሊብያ ምምላስ ክኣብዩ ምሉእ ብምሉእ ቅቡል እዩ፡” ይብል ሲ ዎች።
ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ 2018 ጥራይ ኤውሮጳ ክበጽሑ ዝፍትኑ ዝነበሩ ኣስታት 15,000 ስደተኛታት ዓጊቱ ወይ ኣድሒኑ።
TMP – 10/04/2019
ስእሊ፦ ስቲቭ ኤስትቫኒክ / ሻተርስቶክ። ንእሽቶ ጸዓኒት ነዳዲ ኣብ ወደብ ቫሌታ፡ መልጣ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ