ጥልያን ንቐንዲ መጻንሒ ማእከል ስደተኛታት ዕጽያ
መንግስቲ ጥልያን ኣብ ሚንዮ ናይ ደሴት ሲሲሊ ዝጸንሐ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝዓበየ ምንባሩ ዝንገረሉ መቐበሊ ማእከል ስደተኛታት ብ 9 ሓምለ ብወግዒ ዓጺዩዎ ።
መጻንሒ ማእከል ስደተኛታት ሚኒዮ ኣብ ዓመተ 2014 ልዕሊ 4,000 ስደተኛታት ሒዙ ምንባሩ ይግለጽ። እቲ ማእከል ብወግዒ ኣብ ዝተዓጽወሉ ዕለት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ማትዮ ሳልቪኒ ብኣካል ተረኺቡ ዑደት ኣካይዱ እዩ። እቲ ማእከል ንኽዕጾ፡ እቲ ሚኒስተር ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ክጽዕት ጸኒሑ እዩ።
“እዚ እየ ንህዝቢ ሲሲሊን ጥልያንን ዝተመባጻዕክዎ መብጽዓ፡” ዝበለ ሚኒስተር ሳልቪኒ፡ ኣብ’ቲ ማእከል ዝጸንሐ ልዑል ቁጽሪ ስደተኛታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳግዶለካ ናብ ከባቢ ዜሮ ንምብጻሕ ነዊሕ ከምእተሰርሐ ተዛሪቡ።
ኣብ’ቲ ማእከል ዝጸንሑ ስደተኛታት ኣብ ዞባ ካላብሪያ ናብ ዝርከብ ካልእ ማእከል ከምዝግዕዙ እዩ ተገይሩ። ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝነኣሰን ብቐሉሉ ኽትቆጻጸሮ እትኽእልን ማእከል ጥራይ ኽተሓዙ ምዃኖም እዩ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ማትዮ ሳልቪኒ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኢጣልያዊ ማዕከን ዜና ANSA ፡ ሚኒስተር ሳልቪኒ እቲ መጻንሒ ማእከል ንኽዕጾ መደብ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናይ’ዚ ዓመት ብወግዒ ገሊጹ ምንባሩ እዩ። እቲ ኣብ 2018 ከባቢ 2,500 ስደተኛታት ኣዕቒቡ ዝነበረ ማእከል ኣብ መፋርቕ ናይ 2019 ኣስታት 150 ስደተኛታት ጥራይ እዮም ክነብሩሉ ጸኒሖም። ምዕጻው እዚ ማእከል መቐጸልታ ናይቲ መንግስቲ ኣብ ምዕጻው ወደባት ዝተኸተሎ ስጒምቲ ከምዝኾነ እዩ ሚኒስተር ሳልቪኒ ሓቢሩ ዘሎ።
ጥልያን ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ተካይዶ ዘላ ቃልሲ ናብ’ታ ሃገር ንዝኣቱ ቊጽሪ ስደተኛታት ብርኡይ ክጎድል ገይሩ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ። ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳይ ጥልያን ከምዝሕብሮ ኣብ 2019 ዛጊት 3,073 ስደተኛታት ጥራይ እዮም ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ጥልያን ኣትዮም። እዚ ኣሃዝ ካብ’ቲ ኣብ 2018 ዝተመዝገበ 17,000 ከምኡ’ውን ቅድሚኡ ኣብ ዘሎ ዓመት ካብ ዝነበረ 85,000 ብዝሒ ስደተኛታት ኣዚዩ ዝወሓደ እዩ። መጽናዕታውያን ትካላት ጥልያን ከምዝሕብርኦ እውን ብዝሒ ናብ’ታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ 80 ሚእታዊት ጎዲሉ ከምዘሎ እዩ።
ጥልያን ኣብ ምድሓን ህይወት ስደተኛታት ንዝነጥፋ መራኽብ ወደባታ ዓጽያቶ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ካቢነ እታ ሃገር ናብ ማያዊ ግዝኣት ጥልያን ብዘይፍቓድ ዝኣትዋ መራኽብ ክሳዕ 50,000 ኤሮ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ኽጸዓን ወሲኑ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደት ንዝካየድ ቃልሲ ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽል ምዃኑ ዝዛርብ ዘሎ ሚኒስተር ሳልቪኒ፡ ብ 8 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቱ ወደባት ጥልያን ንምሕላው መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ማእከላይ ባሕሪ ከዋፍር ከምዝኾነን ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ምዕጋት ስደተኛታት ዘካይድዎ ስርሒታት ንምሕያል ድማ ዓሰርተ ተወሰኽተ ናይ ኮለላ ጀላቡ ብሓገዝ ኽህብ ምዃኑን ኣረዲኡ ኣሎ። ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ.ኦ.ኤም) ፡ ኣብ 2019 ዛጊት 3,700 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዓጊቶም ናብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ተመሊሶም ኣለው።
ኣብ ሊብያ ዝቕጽል ዘሎ ብረታዊ ጎነጽ ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ዘይውሑሳት ጀላቡ ተጻዒኖም ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ናብ ጥልያን ንምብጻኽ ኽጓየዩ የገድድ ምህላዉ ይፍለጥ። ከም ሳዕቤን ህይወት ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ’ቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ይጠፍእ ኣሎ። ክሳዕ ሻውዓይቲ ወርሒ ናይ’ዚ ዓመት ጥራይ 426 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ጠፊኡ ኣሎ።
TMP 17/07/2019
ስእሊ፥ ሲነበርግ/ ሻተርስቶክ ኮም
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደተኛታት ብመሪሕነት ዝሰርሕ ዘሎ ሚኒስትሪ እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ