ሃለዋት ዓሰርተታት ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማያት ቱኒዝያ ይጠፍእ
ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብ 4 ሓምለ ኣብ ማያዊ ገማግም ቱኒዝያ ብምጥሓላ ልዕሊ 80 ሰባት ደሃዮም ጠፊኡ ምህላዉ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት ኣይ.ኦ.ኤም ሓቢሩ።
ቱኒዝያውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ተረፍመረፍ ናይ’ታ ዝጠሓለት ጃልባ ንከባቢ ክልተ መዓልታት ኸንሳፍፉ ዝጸንሕዎም ኣርባዕተ ስደተኛታት ድሕሪ ምድሓኖም ፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ መዕቖቢ ኣብ ዝተወስድሉ ሓደ ኻብኦም ብሰንኪ ትሑት ሙቐት ሰብነት ኣብ ሕክምና ህይወቱ ኸምዝሰኣነ ኽፍለጥ ተኻኢሉ።
“ኣርባዕቴና ኣብ ቅላጥ ዕንጸይቲ ኸነንሳፍፍ ቀኒና፡” ይብል ሓደ ኻብቶም ዝደሓኑ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ። “ማዕበል ንኽልተ መዓልታት ኣጸጊሙና’ዩ፡ ኣብ’ቲ ሓደጋ ህይወት ብዙሓት ጠፊኡ እዩ፡” ይብል ንሱ ።
እቶም ብህይወት ዝደሓኑ ስደተኛታት ንሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ፡ ኣብ’ታ ዝጠሓለት ጃልባ ክልተ ህጻናትን ኣርባዕተ ደቅ-ንስትዮን ዝርከብኦም 86 ስደተኛታት ተሳፊሮም ምንባሮም ኽፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
በቲ ፍጻሜ ዝሓዘነ ፍሉይ ልኡኽ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣቶ ቪንሰንት ኮቺቴል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ “ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ክቕጽል የብሉን። ሰባት ዝኾነ ኣማራጺ ክሳዕ ዘይሰኣኑ ህይወቶምን ህይወት ስድራቤቶምን ኣብ ሓደጋ ኸእትዉ ዝመርጹ ኣይኮኑን። ስለዝኾነ እዞም ሰባት ነቲ ናብ’ተን ዘይውሑሳት ጀላቡ ከምርሑ ዝገብር ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ብቚዕ ኣማራጺ ኽንረኽበሉ ኣገዳሲ እዩ፡” ይብል ።
እቲ ኣሰቃቒ ሓደጋ፡ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ህይወት ከባቢ 60 ስደተኛታት ዝወሰደ ኣብ ሓደ መዳጎኒ ማእከል ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ እዩ ኣጋጢሙ።
ኣብ ሊብያ ዝቕጽል ዘሎ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ኣብ’ታ ሃገር ተዳጒኖም ንዝርከቡ ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጸገም ኣውዲቑዎም ከምዘሎ ዝሕበር ኾይኑ፡ ስደተኛታት ናብ’ቲ ምስ ቱኒዝያ ዘዳውብ ምዕራባዊ ገማግም ሊብያ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ተደጋጋሚ ፈተነታት ኸካይዱ ይግደዱ ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናይ’ዚ ዓመት’ውን ሰደተኛታት ኣሳፊራ ካብ ገማግም ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ኣብ ማያዊ ከባቢታት ቱኒዝያ ብምጥሓላ ህይወት ከባቢ 65 ስደተኛታት ጠፊኡ እዩ።
ማእከላይ ባሕሪ ካብ ቀዳሞት ቀተልቲ መስመራት ማይ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ዘመልክት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ፡ ካብ ጥሪ ክሳዕ ሰነ ናይ’ዚ ዓመት ጥራይ ብውሑዱ 597 ስደተኛታት ነቲ ማያዊ መስመር ኽሰግሩ ኸምዝሞቱ የረድእ።
TMP – 10/07/2019
ስእሊ፥ መርበብ ሓበሬታ ኣናዶሉ ኤጀንሲ /ፋይል
ኣሃዱ ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ኣብ ኮለላ
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ