ኣብ ጉዕዞ ዝተዓግቱ 63 ኢትዮጵያውን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ኣብ ሶማሊላንድ ካብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ ናይ’ዚ ዓመት ተዓጊቶም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብመንገዲ ወለንታዊ መስርሕ ምምላስ ስደተኛታት ናይ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት (IOM) ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
እቶም ካብ 15 ክሳዕ 48 ዓመት ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ 63 ኢትዮጵያውያን ካብ ገማግም ማያት ጂቡቲ ተበጊሶም ማያት ቀይሕ–ባሕሪ ብምጥሓስ ብመገዲ የመን ናብ ስዑዲ–ዓረብ ንምእታው መደብ ዝነገሮም እዮም። ኣሳፊራቶም ዝነበረት ጃልባ ሞተረኣ ድሕሪ ምብልሻው ግን ንከባቢ ሹድሽተ መዓልታት ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ምዕጋቶም፡ ብረድኤት በቲ ከባቢ እትሓልፍ ዝበረት ናይ ንግዲ መርከብ ክድሕኑን ናብ ሶማሊላንድ ክግዕዙን ተገይሩ።
ክልተ ካብቶም ብጽምእን ጥምየትን ተሰኒፎም ዝተረኽቡ ስደተኛታት ሞይቶም ምጽንሖ’ውን ነቶም ስደተኛታት ዘድሓኑ ኣባላት እታ ናይ ንግዲ መርከብ ይሕብሩ።
ኣብ ሃርጌሳ ዝርከብ ንኡስ ቤት–ጽሕፈት ኣህጉራዊ ውድብ ስደኛታት ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ዝጸንሑሉ ፡ናይ ማይ፡መግቢ፡ ልባስ፡ ሕክምናን ምኽርን ኣገልግሎታት ከምዝቐረበ ይገልጽ።
“እዞም ስደተኛታት ሓድሽ መስመር ጉዕዞ’ዮም ክጥቀሙ ፈቲኖም፡ ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ዘጋጠሞም ጸገም ድማ ኣብ’ቲ ንውሑድ ስንቂ ሒዘን ዝጓዓዛ ጀላቡ ጽንኩም ዝኾነ ማያት ወሽመጥ ዓደን ኣብ ሓዲግ ወዲቖም። ከምዚ’ሎም ብህይወት ምድሓኖም ኣዚና ሕጉሳት፡ ብመንገዲ ወለንታዊ መስርሕ ምምላስ ክንድግፎም ምኽኣልና ድማ ዕጉባት ኢና። ኣብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ጨንፈር ኢትዮጵያ ዘለው ኣባላትና ድማ ነዞም ተመለስቲ ኣብ መዓርፎ–ነፈርቲ ቦሌ ተቐቢሎም ምስ ስድራቤቶም ክጽንብርዎም ምዃኖም ኣምነትና እዩ፡” ይብል ሓላፊ ንኡስ ቤት–ጽሕፈት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሃርጌሳ ኣቶ የሳሚ ጋርቨር ዓፈልድት።
ካብ ተመለስቲ ዝኾነት ጓል 22 ዓመት ሰምሃር እቲ ዝሓለፈቶ ሽግር ክሳዕ ክንደይ ከምዘሰንበዳ ትዛረብ። “ ኣነ ሞት ጥራይ እየ ዝጽበያ ነይረ። ብህይወት ምቕጻለይ ኣዝየ ሕጉስቲ እየ፡ ስድራይ’ውን ሕጉሳት እዮም። ሕጂ ናብ ዓደይ ጥራይ እየ ክምለስ ዝብህግ፡” ትብል።
ኢትይጵያ ምስ’ተን ከም ምንጪን መሰጋገርቲን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብቐዳምነት ዝጥቀሳ ሃገራት ቀርኒ–ኣፍሪቃ ምዃና እዩ ዝንገር። ሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገር ዝሓሸ ቊጠባዊ ኣማራጺታት ንምንዳይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ክግዕዙ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ይርከብ። ዴንማርካዊ ባይቶ ንጉዳይ ስደት፡ ብመንገዲ’ቲ ንዝተሓናፈጸ ገጻት ስደት መድረኽ ሂቡ ዘጽንዕ መደቡ ከምዝጽብጽቦ፡ ኣብ 2015 ናብ የመን ካብ ዝኣተው ዘይሕጋውያ ስደተኛታት 90 ሚእታዊት ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ እዩ።
ብወለንታኦም ዝምለሱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተጠቀምቲ ናይ’ቲ ብ ማዕከን ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኣፍሪቃ ተመዊሉ ብኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝሰላሰል ናይ ምጥያስ መደባት ከምዝኾኑ ይፍለጥ። እቲ ናይ ምጥያስ መደብ ፡ ስደተኛታት ናብ ማሕበረሰቦም ክጽንበሩን መነባብርኦም ከደላድሉን ዘኽእሉ ሓገዛት ዝሓቖፈ እዩ። ካብ መፋርቕ 2017 ዛጊት 1,200 ኢትዮጵያውያን ተመላሶ ተጠቀምቲ እቲ መደብ ኮይኖም ምህላዎም’ውን ይግለጽ።.
ብዘይካ’ዚ፡ ኢትዮጵያ ኣባል ናይቲ ን 26 ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካተተ ሓባራዊ ተበግሶ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን እያ። እቲ ብ ኢውሮጳዊ ሕብረት ተመዊሉ ብኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝቃናዕ ተበግሶ ፡ ዘላቒ ምሕደራ ስደት ንምትግባር ኣብ ዝኽእሉ ልምዓታውያን መደባትን መርሓታትን ብምድሃብ ንውሑስ ምምላስ ወለታውያን ስደተኛታት ንምስልሳል ዝዓለመ እዩ።
TMP – 12/09/2018
ኢትዮጵያውያን ተመለስቲ ኣብ ከተማ ሃርጌሳ፡ ሶማሊላንድ። ስእሊ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት(IOM)
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ