ኲናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ፡ ኣብ ትሪፖሊ ተዳጒኖም ዘለዉ ስደተኛታት ብኽብሪ ዋጋታት መግቢ ይሽገሩ

ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ሊብያ ተዳጒኖም ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ኲናት ኣብ ትሪፖሊን ዙርያኣን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ብኽብሪ ዋጋታት መግቢ ይሽገሩ ኸምዘለዉ ኣልጀዚራ ሓቢራ።

ኣብ ኣቡሰሊም ተዳጒኖም ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ካብቲ 4 ሚያዝያ ኲናት ዝጀመረሉ ዋጋታት መግቢ ልዕሊ ዕጽፊ ኸዝወሰኸ ይገልጹ። ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ትሪፖሊ ዝርከብ ማእከል 30 ቘልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ሰባት ተዳጒኖም ይርከቡ።

መንግስቲ ሊብያ ነቶም ዝዳጐኖም ስደተኛታት ክኣልዮም ዝግባእ እኳ እንተዀነ፡ እቶም ስደተኛታት ግና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ባዕላቶም ሸሚቶም እዮም ዝቕለቡ ዘለዉ። ደገ ወጺኦም ብመሃያ ኽሰርሑ ወይ ድማ ካብቶም ኣብ ኤርትራ፡ ሶማልያን ሱዳንን ዝርከቡ ስድራቤቶም ገንዘብ ክለኣኸሎም ክጽበዩ ይግደዱ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ግርጭት ኣብ ዝብርትዓሉ ዘሎ ግዜ ግና ካብ ስድርኦም ገንዘብ ክስደደሎም ኣጸጋሚ ይገብሮ ኣሎ።ካብ ስድራቤት ገንዘብ ምቕባል ብሰንኪ እዚ ዂናት ጠቕላላ እዩ ዘይከኣል ኰይኑ ዘሎ። ከምኡ ድማ መጓዓዝያ የለን። ብሰሪ እዚ ዂናት ካብ ደገ መግቢ ምምጻእ ኣይከኣልን እዩ፡ይብል ሓደ ኣብቲ መዳጐኒ ዝርከብ ኮተቴ።ካብ ዝዀና ማሕበራት ግብረሰናይ ዝመጽእ መግቢ የብልናን። ከምዚ ኸማይ ሰባት ገንዘብ የብሎምንኣዝዩ ኸቢድ እዩ።

ኣብ መዳጐኒ ማእከል ኣቡሰሊም ዘሎ ጥሜት ነቶም ከም ዓባይ ሰዓል ዝተታሕዙ ዝኣመሰሉ ድሮ ኣካላቶም ተዳኺምዎም ዝጸንሑ ዝያዳ የጥቅዖም ኣሎ።

ንጥሜት ንለምዶ ኢና፡ ንቕበሎ ኢናይብል ሓደ ኣብኡ ዝርከብ ኤርትራዊ ኮተቴ።ብዛዕባ ሕጽረት መግቢ ኣይግድሰናን እዩ፡ ስለ ህይወትና ኢና ንሓስብ። ነዚ ሊብያ ዝበሃል ዝኸፍአ ሃገር ከመይ ኢልና ኸምነምልጠሉ እዩ። ናብ ዝሓሸ ቦታ ኽንውሰድ በጃኹም ዝከኣለኩም ግበሩ።

ብመሰረት ኣልጀዚራ፡ 3,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ስደተኛታት ኣብቲ ብመንግስቲ ሊብያ ዝካየድ መዳጐኒ መዓስከራት ተታሒዞም ኣለዉ።

ኣፈኛ ሓካይም ብዘይዶብ ክሬይግ ኬንዚ፡ ጉዳይ መግቢ ቅድምን ድሕርን እዚ ግርጭት ፍታሕ ዘይተረኽቦ ጉዳይ ኰይኑ ኸምዝጸንሐ ንኣልጀዚራ ይገልጽ።እዚ [ኣብ ትሪፖሊ ዝመቐመጢኡ ብሕቡራት ሃገራት ዝተፈልጠ] መንግስቲ ነቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብዚ መዳጐኒ ማእከላት ዝዳጐኖም ሰባት እኹል መጠንን ብቕዓትን ዘለዎ መግቢ ክቕርበሎም ከምዝግብኦ ደጋጊምና ንገልጽ።

ማሕበራት ግብረሰናይ ነቶም ኣብ ማእከል ኲናት ተቐርቂሮም ዘለዉ ስደተኛታት ከውጽኣ ይጽዕራ ኣለዋ። 1 ግንቦት፡ 325 ኤርትራውያን፡ ሱዳናውያንን ናይጄርያውያንን ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ትሪፖሊ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ቓስር ቢን ገሺር ናብታ ኣብ ምዕራባዊ ሊብያ እትርከብኣብቲ ዂናት ተቐርቂሮም ኣብ ሓደጋ ክዀኑ ዝተሓተ ዕድል ክህልዎምናብ ዝኽእሉላ ዝተባህለት ከተማ ዛውያ ብሓልዮት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን ግዒዞም።

TMP – 13/05/2019

ስኣሊ፦ ኮልዶኖቭ / ሻተርስቶክ

ስእሊ፦ ገመድ ሓጹር ኣብ መዳጐኒ ማእከል