ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ብሕማም ዓባይ-ሰዓል ይሽገሩ
ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ዝምለሱ ኣሽሓት ስደተኛታት፡ ኣብ’ተን ንጽህና ዝጎድለንን ከም ዓባይ-ሰዓል ብዝኣመሰሉ ተመሓላላፍቲ ሕማማት ዝተለበዳን ጸበብቲ መዳጎኒ ማእከላት እታ ሃገር ሕሰም የሕልፉ ኣለው።
ሳሚ፡ ወዲ 30 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኮይኑ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ሓንቲ ካብ’ተን ብኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ሕሱም መነባብሮን ዝልለያ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ይርከብ። ንሱ ምስ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ካልኦት ተዳጎንቲ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ተኣሲሩ ይርከብ። ገለ ካብ’ቶም እሱራት ውሑዳት መዓልታት ድሕሪ ናብ’ቲ ቦታ ምእታዎም ዓባይ ሰዓል ከምዝተለኽፉ ዝተነግሮም እዩ። ሳሚ ኣብ’ቲ እዋን ካብ’ቲ ሕማም ነጻ ተባሂሉ ስለዝነበረ ነቶም ብሕማም ዝተሰነፉ ይተሓጋገዝ ነይሩ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ግን ንሱ’ውን ኣካላቱ ክደኽሞ ጀሚሩ። “ ድሕሪ ውሑዳት ኣዋርሕ ደሓን ኣይነበርኩን። ናብ ሓኪም ምስ ቀረብኩ ድማ ዓባይ ሰዓል ከምዘላትኒ ተሓቢረ፡” ይብል ንሱ።
ኣብ’ተን መዳጎኒ ማእከላት ብሕማም ዝተለኽፉ ምስ’ቶም ጥዑያት ኣብ ሓደ ክፍሊ ከምዝተሓዙ እዩ ዝግበር። ብዘይካ’ዚ ንዓይኒ-ምድሪ ዝጥቀምሎም መቕድሕን መሕጸቢን ሓባራዊ እዩ። በተወሳኺ እኹል መግብን መድሃኒት ስለዘየሎ፡ እቶም ሕሙማት ብሰንኪ ዘይእኹል ኣማግቦ ነቲ ዝርካቡ መድሃኒት ክወስድዎምን ንኣሉታዊ ጎንታት እቲ መድሃኒት ክጻወርዎን ኣዝዮም ድኹማት እዮም።
ኣብ ዶክተራት ብዘይ-ዶብ ጨንፈር ሊብያ ኣወሃሃዲ ስራሕ ዝኾነ ዶ/ር ፕሪንቸ ኣልፋኒ፡ ሓያሎ ካብ’ቶም ብሕማም ዝልከፉ ተዳጎንቲ ዝበልዕዎ ስለዝስእኑ መድሃኒቶም ብግቡእ ከምዘይወስድዎን ቀጻሊ ከምዘቋርጹዎን ይሕብር። “ ንሓደ እሱር ጠምዩ እንዳሃለወ መድሃኒት ዉሰድ ክትብሎ ግቡእ ኣይኮነን፡” ድማ ይብል።
“ሓያሎ ተርእዮታት ሕማም ዓባይ ሰዓል እንዳሃለወ ሓኪም ዝበሃል የለን። ብህይወትና እዮም ዝጻወቱ ዘለዉ፡” ዝበለ ንልዕሊ ዓመት ዝተዳጎነ ካልእ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ እሱራት ኣብ ሰዓታት ንግሆ ንፍርቂ ሰዓት ጥራይ ኣገልግሎት ማይ ከምዝኽፈተሎም፡ ኣስታት 650 ንዝኾኑ ተዳጎንቲ ድማ 8 ሽቓቓት ጥራይ ምህላወን ኣምሪሩ ይዛረብ።
ኣብ ካልእ መዳጎኒ ማእከል ዝርከብ ሓደ ስደተኛ ከምዝሓበሮ’ውን፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ናይ 2018 ዛጊት 10 ተዳጎንቲ ብዋሕዲ ጽሬትን ሕክምናን ሞይቶም ኣለው።
ሓያሎ ስደተኛታት በቲ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ዝወርዶም ዘሎ ጸገም ቀጻሊ ተቛውሞታት ከስምዑ እዮም ዝረኣዩ። ኣባላት ሓለዋ እተን ማእከላት ድማ ከም ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይዕጉብነትም ዘስምዑ ስደተኛታት ተደጋጋሚ በደላት ይፍጽሙ ኣለው። በቲ ዘሎ ሕሰምን ጸገምን ዝተዳፍኡ ኣስታት 150 ስደተኛታት ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት 2019 ካብ መዳጎኒ ማእከል ጥሪቕ ኣል ሲካ ከምዝሃደሞ ይፍለጥ። ኣስታት 30 ካልኦት ድማ ክትህዳሙ ሓሲብኩምን ተቛውሞታት ኣስምዕኩምን ብዝብል መግረፍቲ ወሪድዎም።
ብመሰረት መግለጺ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ ኣብ 2018 ጥራይ ልዕሊ 15,000 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ክምለሱ ተገይሩ።
ሰነዳት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ.ኦ.ኤም) ከምዝሕብሩ ፡ ልዕሊ 600,000 ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ይርከቡ። ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ንቐጻሊ በደልን ምዝመዛን ዝተቓልዑ እዮም። ብዘይካ’ዚ ልዕሊ 20,000 ካልኦት ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ተታሒዞም ኣለው።
TMP 05/04/19
ስእሊ፥ ANSA/ ዙሀይር ዓቡስረዊል
Photo caption: ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ዛውያ ፡ ከባቢ ሊብያ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ