እንተወሓዱ 65 ስደተኛታት ኣብ ጥቓ ቱኒዝያ ጥሒሎም

ኣብ ገማግም ቱኒዝያ ጃልባ ብምጥሓላ እንተወሓዱ 65 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ብመሰረት እቶም ዝደሓኑ እቶም 75 ስደተኛታት ካብታ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሊብያ እትርከብ ከተማ ዝዋራ 9 ግንቦት ኣብ ዓባይ ጃልባ ተበጊሶም። ጸኒሖም ናብ ዝነኣሰት ጃልባ ምስሰገሩ ብሰንኪ ብርቱዕ ማዕበላት ጃልባኦም ኣብ ሓደጋ ኣትያ።

እታ ጃልባ ደቡብ ካብ ከተማ ቱኒዝ፡ 45 ማይል ካብ ከተማ ስፋክስ ናብ ኢጣልያ እናተጓዕዘት ከላ ክትጥሕል ጀሚራ።

ቱኒዝያውያን ገፈፍቲ ዓሳ ነቶም ዝተረፉ 16 ስደተኛታት ኣድሒኖም ናብ ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ኣረኪቦሞም። እቶም ዝደሓኑ ንሸሞንተ ሰዓታት ኣብቲ ዝሑል ባሕሪ ድሕሪ ምጽባዮም እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ኸምዘድሓንዎም ይገልጹ።

እቶም ቱኒዝያውያን ገፈፍቲ ዓሳ እንተዘይርእይዎም ዝድሕኑ ኣይምተረኽቡን ብዛዕባ [እታ ጃልባ] ድማ ኣይምፈለጥናን፡ይብል ኣባል ቀያሕ ወርሒ ሞንጊ ስሊም።

ካብ ባንግላዴሽ ዝመጸ ኣሕመድ ቢላል ሓደ ኻብቶም ዝደሓኑ እዩ። ክልተ ኣዝማዱ ኸምዝጠሓልዎ ይገልጽ።በብሓደ ክጥሕሉ ጀሚሮም፡ ናብቲ ማይ ኣትዮም፡ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ፡ይብል እቲ ወዲ 30 ዓመት ሓረስታይ።

እዚ 65 ዝበጽሑ ሰባት ዝጠሓሉሉ ኣጋጣሚ ድሕሪ እቲ ኣብ ጥሪ 117 ሰባት ዝሞቱሉ ሓደጋ እቲ ዝዓበየ እዩ። ሬሳታት ሰለስተ ሰባት ክርከብ ከሎ ሓደ ድማ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።

ዝበዝሑ ኻብቶም ተሳፈርቲ ካብ ባንግላዴሽ ዝመጹ ክዀኑ ኸለዉ፡ ሓያሎ ግብጻውያን፡ ሞሮካውያን፡ ጫዳውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያንን ይርከብዎም።

ነቶም ንማእከላይ ባሕሪ ኽሰግርዎ ዝፍትኑ ገና ዘጋጥሞም ሓደጋታ እንታይ ምዃኑ ዘዘኻኽር ዘሕዝንን ኣሰቃቕን ሓደጋ እዩ፡ይብል ፍሉይ ልኡኽ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝዀነ ቪንሰንት ኮቼተል።

ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ 2019 ክሳብ 15,900 ዝበጽሑ ስደተኛታት ብምኣከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ኤውሮጳ ኣትዮም። ምስናይ 2018 ተመሳሳሊ ግዜ ኽርአ ኸሎ ናይ 17 ሚእታዊት ምቕናስ ኣርእዩ ኣሎ።

TMP – 16/05/2019

ሰኣላይ፦ ጂን ኢሸንኮ / ሻተርስቶክ

ስእሊ፦ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተገድዑ ስደተኛታት