ፍርቂ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ግፍዒ ኣስገርቲ ይፍጽምዎ
ልዕሊ 50 ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥም ጾታዊ ግፍዒ፡ ኣካላዊ ግፍዒ፡ ምምንዛዕን ጭውያን ኣስገርቲ ኸምዝፍጽምዎ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ምስ ስደተኛታትን ተጓዓዝትን ኣብ ዝተኻየደ ልዕሊ 10,000 ዝርርባት ዝተመርኰሰ መጽናዕቲ ኣረዲኡ። እቲ ብደንማርካዊ ቤትምኽሪ ንስደተኛታት ዝካየድ ናይ ማእከል መጽናዕቲ ዝተደባለቐ ስደት ናይ 2018 ጸብጻብ፡ ዓንቃጺ ኣገባባት ንተበግሶ ስደት ዘይኰነ ንኣገባብ ስደት ጥራይ ከምዝጸሉ የነጽር።
“ኣብ ክንዲ ዘይስሩዕ ስደት ምቕናስ፡ ኣቲ ዝካየድ ናይ ምሕደራ ኣገባባት ኣስገርቲ ንህይወት ስደተኛታት ኣብ ዝገደደ ሓደጋ ዘእቱ ሓደስቲ መገድታትን ሜላታትን ክረኽቡ ይመርሖም። እንተወሓዱ 60,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ካብ ምእታው 21 ክፍለዘመን ኣብ ጉዕዞ ሞይቶም ኣለዉ። መንግስታት ስደትን ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባን ጥራይ ክቕንሱ ዝደልዩ እንተዀይኖም፡ ኣስገርቲ ልዑል ኣታዊ ዝርከቦ ስራሕ እናረኸቡ ክቕጽሉ እዮም፡” ይብል ብራም ፍሮውስ ዝተባህለ ሓላፊ ማእከል ዝተደባለቐ ስደት።
ወሲኹ፡ “ዝበዝሐ ግዜ ኣስገርቲ ጥራይ እዮም ናብ ውሑስ ቦታ ናይ ምብጻሕ ምርጫ ዝቕርቡሎም። ሰባት ክስደዱ እንተደልዮም ኣስገርቲ ድማ ኽህልዉ እዮም፡” ይብል። ኣብ 2016 እንተወሓዱ 2.5 ሚልዮን ሰባት ኣብ ምሉእ ዓለም ንኣስገርቲ ሾብዓተ ቢልዮን ዶላር ኣኽሲቦም ተንቀሳቒሶም። ከከም ደረጃ ጉዕዞኦም ካብ ሓደ ሲሶ ክሳብ ክልተ ሲሶ ናይ ኩሎም ተሰደድቲ ጾታዊ ወይ ኣካላዊ ዓመጽ፡ ምምንዛዕን ምጭዋይን ከምዘጋጠሞም ይገልጹ።
ናብ ስደት ዘበገስ መኽንያታት ከከም ምስመር ስደት ከምዝፈላለ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። “ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝብገስ ስደት ብቐንዱ ብቑጠባዊ መኽንያታት ኰይኑ፣ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝብገሱ ብሰንኪ ጐነጽን ውሕስነት ምስኣንን ይስደዱ። ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ዝጕዓዙ ብቑጠባዊ መኽንያት ክስደዱ ኸለዉ፡ እቶም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝጕዓዙ መሰረታዊ መሰላት ስለዝሰኣኑ ይስደዱ። ዝበዝሑ ሰባት ኣብ መገዶም ብርቱዕ ዓመጽ የጋጥሞም እኳ እንተዀነ 70 ሚእታዊት ዝዀኑ ነቲ ክወርዶም ዝኽእል ሓደጋታት እናፈለጥዎ ኽነሶም ነቲ ጉዕዞ ኽደግምዎ ኸምዝኽእሉ ምግላጾም መርኣያ ብርታዐ ናይቲ ሰባት ንምግዓዝ ዘለዎም ሕልምን ወሳንነትን ዘርኢ እዩ፡” ይብል ፍሮውስ።
እንተዀነ፡ ብዙሓት ነቲ ውሳኔ ኽደግምዎ ኸምዝኽእሉ እኳ እንተገለጹ ካልኦት ነቲ ጉዕዞ ኽደግምዎ ኸምዘየተባብዑ ይገልጹ። ፍሮውስ፡ “60 ሚእታዊት ዝዀኑ ኻብቶም ሕቶታት ዝመለሱ ኣብዚ እዋን ነቲ ሓደጋ ብምፍላጦም ንኻልኦት ከተባብዑ ኸምዘይክእሉ ይገልጹ፡” ይብል።
TMP – 29/11/2018
ስእሊ፦ ቤርካሶቮ፥ ሰርብያ። ስደተኛታት ኣብ ዶብ ክሮኤሽያን ሰርብያን ከበድቲ ሳናጡ ተሰኪሞም ይጕዓዙ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ