ኣብ ሓደጋ ዝወደቐት ጃልባ ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ትጓነ

ሰብ-መዚ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ማያዊ ግዝኣት ሃገሮም ከባቢ 100 ስደተኛታት ኣሳፊራ ኣብ ሓደጋ ካብ ዝወደቐት መርከብ ንዝመጾም ናይ ሓገዝ ጻውዒት ነዊሕ ሰዓታት ከምዝጓነይዎ፡ ማዕከን ዜና ኤሮ-ኒውስ ሓቢሩ።

ፓይሎቲስ ቮሊንቴሪስ ዝተባህለ በረራዊ ኮለላ ብምግባር ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምድሓን ህይወት ንዝነጥፋ መራኽብ ዘይምንግስታውያን ትካላት ስእላዊ ሓበሬታ ዝልግስ ተሓባባሪ ኣካል፡ ነታ ብ 16 መስከረም ኣብ ሓደጋ ወዲቓ ዝነበረት ናይ ፕላስቲክ ጃልባ ከምዘላለያ እዩ ዝሕበር።

ሎሚ ሓንቲ ካብ ናይ በረራ ኣሃዱና ከባቢ 100 ዝግመቱ ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ሓደጋ ዝወደቐት ጃልባ ምስ ኣላላየት፡ ሻቡ ኣብ ሮማ ናብ ዝመደበሩ ክፍሊ ምውህሃድ ምድሓን ህይወት ሓበሬታ ልኢኻ። እቲ ኢጣልያዊ ክፍሊ ነቲ ሓበሬታ ናብ ሰብ-መዚ ሊብያ ምስ ኣመሓላለፎ ግና ካብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ቅልጡፍ ምላሽ ወይ ስጒምቲ ኣይተራእየን። ክሳዕ’ዚ ሰዓት እዚ እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ስደተኛታት መዓስ ከምዝርድኡ ኣይፈለጥናን ዘሎና፡” ክብል ፓይሎቲስ ቮሊንቴሪስ  ኣብ ትዌተር ኣብ ዘስፈሮም ጽሑፍ ጠቒሱ ነይሩ።

ካብ ክልተ ኣብረርቲ ፓይሎቲስ ቮሊንቴሪስ ጸኒሑ ዝመጽአ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ ግና፡  ካብ ክፍሊ ምውህሃድ ምድሓን ህይወት ናይ ዓዲ ጥልያን  ናብ ሰብ መዚ ሊብያ ዝተላእኸ ሓበሬታ ተግባራዊ ክሳዕ ዝኸውን እቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቚ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ንከባቢ ሸሞንተ ሰዓታት ከምእተጸበዩ እዩ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናይ’ዚ ዓመት፡ ንዝሰፍሐ ኣካል ናይቲ ኣብ ሞንጎ  ሰሜን-ኣፍሪቃ ኤውሮጳን ዘሎ ማያዊ መስመር ዝካየዱ ምንቅስቓሳት ዘይስሩዕ ስደት ኣብ ምግታእን ኣብ’ቲ ማያዊ ኣካል ዝስዕቡ ሰብኣዊ ሓደጋታት ኣብ ምርዳእን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ልዑል ኢድን ሓላፍነትን ሒዙ ምህላዉ እዩ ዝንገር።

ኣብረርቲ ፓይሎቲስ ቮሊንቴሪስ ፡ እታ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐት ዘላለዩዋ ጃልባ ዝምልከቶ ኣካል ዝግባእ ሓገዝ ክሳዕ ዝገብረላ ሓበሬታታት ከበጻጽሑ ነዊሕ ከምዝደኸሙ እዮም ዝገልጹ።

ፓይሎቲስ ቮሊንቴሪስ  እቶም ስደተኛታት ረድኤት ከምዝረኸቡ ድሕሪ ዝወጸ መግለጺ፥ እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ’ታ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ንህይወት ስደተኛታት ዝበኣሰት ሃገር ኮይና ዘላ ሊብያ ተመሊሶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ስክፍታኡ ኣስሚዑ ኣሎ።

TMP – 24/10/2018

ስእሊ፥ ፓይሎቲስ ቮሊንቴሪስ  / ትዌተር። ነፋሪት ፓይሎቲስ ቮሊንቴሪስ ኣብ በረራዊ ኮለላ