ጥልያን ተወሰኽቲ ናይ ሓለዋ ጀላቡ ንሊብያ ተበርክት

ጃልባ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ኮለላ። ስእሊ፡ ማትያስ ሞንሮይ/ ሰኲርቲ ኣርኪተክቸርስ ኤንድ ፖሊስ ኮላቦሬሽንስ ኢን ዘ ኢ.ዩ./

ጥልያን ቊመና ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንምሕያልን ካብ ገማግም እታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓስ ናብ ኤውሮጳ ዘምርሑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእን 12 ናይ ሓለዋ ጀላቡ ብሓገዝ ከተበርክት ምዃና ገሊጻ።

መንግስቲ ጥልያን ነዚ ዝገለጸ ፡ ፓርላማ ሃገሩ ነቲ ሓገዝ ብ 6 ነሓሰ ድሕሪ ምጽዳቚ እዩ። ብዝወጸ ሓበሬታ መሰረት፡ እተን ናብ መሳርዕ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝጽንበራ ናይ ሓገዝ ጀላቡ – 10 ንእስ ዝበላ ፈጣናት ጀላቡን፡ 2 ማእከላይ ዓቐን ዘለወን መራኽብን እየን።

እቲ ክወሃብ ጸዲቚ ዘሎ ሓገዝ ንብዝሒ ቃፍላይ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብዕጽፊ ዘዛይድ እዩ። ብተወሳኺ፡ ጽገና እተን ጀላቡ፡ ከምኡ’ውን ስልጠና ኣሃዱታት ሓይሊን ሓለዋን ባሕሪ ሊብያ ክሳዕ ምዝዛም እዚ ዓመት ብ ጥልያን እዩ ክሽፈን ።

ጥልያን ነቲ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ዘምርሕ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ፡ ዓቕሚ ሰብን ሎጂስቲክን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ምግዛፍ ዓጢቓ ትሰርሕ ምህላዋ እዩ ዝግለጽ። ብዘይካ’ዚ፡ ሓይልታት ጥልያንን ሊብያን ብሓባር ዝመርሕዎ ኣብ ምልላይን ምግታእን እተን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣሳፊረን ካብ ገማግም ሊብያ ዝብገሳ ጀላቡ ዝጽዕት ናይ ምውህሃድ ማእከል ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ምድኳኑ ይዝከር።

ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት (IOM) ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዓመት፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዛጊት ማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ዝነበሩ 12,000 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ሒዙ ናብ ሊብያ መሊሱ ኣሎ።  

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ማቲዮ ሳልቪኒ ኣብ’ዚ ዝሓለፋ ውሑዳት ሳምንቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቱ  ሸፈነ ኾለላ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ንምዕባይ ሓደስቲ ሓገዛት ክውን ከምዝገብር ገሊጹ’ዩ። ሃገራት ኤውሮጳን ኤውሮጳዊ ሕብረትን’ውን ምስ ጥልያን እንዳተደጋገፉ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንዋታውን ቴክኒካውን ሓገዛት ይገብሩ ምህላዎም ይሕበር።