ናብራ እቶም ኣብ ጐላጕል ጆያ ታውሮ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣዝዩ የኽፍእ ኣሎ
ኩነታት ናብራ ናይቶም ኣብ ጐላጕል ጆያ ታውሮ ኣብ ደቡብ ኢጣልያ ዝርከቡ ስደተኛታት እናኽፍአ ይኸይድ ከምዘሎ ኢጣልያዊ ማሕበር ሓካይም ንሰብኣዊ መሰላት (MEDU) ዘቕረቦ ጸብጻብ የረድእ።
እቲ ጸብጻብ ንሕሱም ህይወት እቶም ኣብቲ ጐልጕል ኣብ ዝርከብ ሕርሻታት ጉልበቶም ዝምዝመዙ 2,000 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ ዝተዳለወ እዩ።
“ዝዓበየ ጾር ጽላት ሕርሻ ጐላጕል ጆያ ታውሮ ኣብ ዝባን እዞም ሰባት እዚኣቶም እዩ ዘሎ፡ እንተዀነ ግና ዝግበረሎም ዘሎ ኣተሓሕዛ ምስ ናይ ስልጡን መትከላት ስልጣነ ሓንቲ ኩሉ ግዜን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነታትን ሰብኣዊ መሰላት ከተኽብር ዝግብኣ ሃገር ዘይሳማማዕ እዩ፡” ይብል ሓካይም ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ናይ መጋቢት መግለጺኡ።
በብዓመቱ ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ ከም ቡርኪና ፋሶ፡ ማሊ፡ ጋና፡ ኮት ድ’ኢቭዋርን ሰኔጋልን ናብዚ ናይ ኢጣልያ ኽፋል ይመጹ። እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጸብጻብ እቶም ስደተኛታት ዝተመዝመዙ፡ ዝተዋረዱ፡ ዝሓሰሩን ተስፋ ዝቘረጹን ምዃኖም ቀንዲ ምልክት ናይቲ ሓደ ኻብቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ዝዓበዩ ሻውላት ምዃኑ ይገልጽ። እቶም ሰራሕተኛታት ይምዝመዙ፡ ብርስሓት ኣዝዩ ኣብ ዝገስረጠ ቦታ ይቕመጡ፡ ኣዝዩ ዘሕስር ናብራ የሕልፉ፡ ዘስፋሕፍሐ ዘይሕጋውነት ኣብ ዘለዎ ይነብሩ፡ ከምኡ ድማ ሓባራዊ ኣገልግሎታትን ሕክምናን ንኽረኽቡ ይጽገሙ።
ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ምእካብ ፍርያት ሓሚሞም ብሓካይም ንሰብኣዊ መሰላት ዝተራእዩ 438 ስደተኛታት 90 ሚእታዊት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝሰርሑ ክዀኑ ኸለዉ፡ ክልተ ሲሶ ድማ ብማእከላይ ገምጋም 25 ኤውሮ ንመዓልቲ ይኽፈሉ። ፍርቂ ናይቶም ዝተሓተቱ ጥራይ እዮም ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ስራሕ ረኺቦም፡ ካብኣቶም ድማ ትሕቲ ሓደ ሲሶ ጥራይ እዮም ስምምዕ ስራሕ ኔሩዎም።
ዝበዝሕ ካብቲ ዝተራእየ ሕማማት ብሰንኪ ሕማቕ መዕቈቢን ርስሓትን ዝመጹ እዮም። ክሳዕ 40 ሰራሕተኛታት ኣብ ተጻቢቦም ኣብ ዘይውሑስ ክፍልታት ዝተረስዐ ዑናታት ሓረስቶት ኣብቲ በረኻ ይነብሩ።
“ክዕገት ኣብ ዝኽእል ዝነበረ ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ወይ ኣብቲ ብመንግስቲ ዝተዋህበ ቴንዳታት ብዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ዝሰዓበ ኣስካሕካሒ ሞት፡ ቀስ ኢሉ ብዘጋጥም ህልቂት፡ ካብ ዓመት ቁሩብ ኣብ ዝሓልፍ ግዜ ኣርባዕተ ሰባት ጠፊኦም ኣለዉ፡” ይብል እቲ ማሕበር።
ቅድሚ ሕጂ ሰብ መዚ መንግስቲ ስደተኛታት ንሰብ ኣብ ዘይበቅዕ ሕማቕ ኩነታት ዝነብሩሉ ዝነበሩ መዓስከራት ኣፍሪሶም እዮም። “እዚ ናይ መወዳእታ ብ6 መጋቢት ዝተኻየደ ምፍራስ ብዘይእኹል ውጥንን ብዘይዝረብሕ ኣምሳያ ዝኸውን መደብን ዝተኻየደ ስለዝነበረ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ ዝፈሸሎ ሒደት ኣማኢት ጥራይ ናብ ሓደ ናይ ቴንዳታት መዓስከር ብምስጋር ተዛዚሙ። እቶም ካልኦት ኣብቲ ዝሰዓበ መዓልታት በብውልቆም ተኣልዮም፡” ይብል እቲ ጸብጻብ።
TMP – 10/06/2019
ሰኣላይ፦ ሓካይም ንሰብኣዊ መሰላት
ስእሊ፦ ኣሽሓት ሸቃሎ ሕርሻ ዝነብሩሉ መዓስከር ሳን ፈርዲናንዶ ኣብ ዞባ ካላብርያ ናይ ደቡብ ኢጣልያ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ