ሓተትቲ ዑቕባ ተቐቢላ እተዋሃህድ ዘላ ንእሽቶ ፈረንሳዊት ከተማ

ፌረት ኣብ ምብራቕ ፈረንሳ እትርከብ 800 ሰባት ጥራይ ዝቕመጥዋ ንእሽቶ ኸተማ እያ። ንሓተትቲ ዑቕባ መዓጹኣ ድሕሪ ምኽፋታ፡ ኣብዚ እዋን ዕሽር ካብ ነበርታ ዀይኖም ኣለዉ።

እዛ ኣብ ጥቓ ዶብ ስዊዘርላንድ ዘላ ልዕሊ ጐቦ ዝተደኰነት ዓዲ፡ ካብ 2016 ሰማንያ ዝዀኑ ሓተትቲ ዑቕባ ተቐቢላ። እዞም ሓተትቲ ዑቕባ እታ ሃገር ከም ስደተኛታት እንተዘይኰነ ኸኣ ንግዝያዊ ዑቕባ ኽትቅበሎም ዝጽበዩ ዘለዉ ካብ ከም ኣፍጋኒስታን፡ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ቼችንያን ናይጄርያን ዝመጹ እዮም። ፍርቂ ናይዞም ሓተትቲ ዑቕባ ቈልዑ እዮም። ግዝያዊ ዑቕባ ነቶም ከም ስደተኛታት ዘይቍጸሩ ግን ዑቕባ ከም ዘድልዮም ዝተፈልጡ ዝወሃብ ኩነት ኣቀባብላ እዩ።

ከንቲባ እታ ዓዲ ፍራንስዋ ኮሄንደት፡ኣብ ፈለማ እዞም ተቐማጦ ነዚ ሓሳብ ፍጹም ነጺጎሞ እኳ እንተነበሩ ሕጂ ግና ኩሉ ነገር ጽቡቕ ክሰርሕ፡ እዞም ሰባት ጥዑያት፡ ስርሖም ዝገብሩ፡ ዘምጽኦም ጌሮም ዝኸዱ፡ ዘይጋራጨዉ ምዃኖም ርእዮም ኣለዉ፡ይብል። ኣብቲ ፈለማ ኣንጻር ምቕባል ሓተትቲ ዑቕባ ድምጾም ከስምዑ ዝእድሙ ዝነበሩ ሰባት፡ኣብ ፌረት ሓደ ስደተኛ ኽንርኢ ኣይንደልንወይእዚ ቤትና እዩ  ዝብል ሰሌዳታት ይጾሩ ኸምዝነበሩ ይዛረብ።

ኣብ 2015 ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ክውሕዙ ኸለዉ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝበዝሐ ቑጽሪ እዩ ኔሩ። ካብዚ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ መልሲ ዝወሃቦም እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ዝቕመጡሉ ሓደስቲ ቦታታት ምርካብ ዘድሊ ዀይኑ።

ከንቲባ ኮሄንደት እቶም ፈለማ ኣብቲ ዓዲ ዝኣተዉኣብቲ በረድ ሰንደል ዝተኸድኑ ክልተ ጸሊም ዝቘርበቶም ሱዳናውያን፡ከምዝነበሩ ይገልጽ። ገለ ተቐማጦ ኽቃወሙ ከለዉ ካልኦት ድማ ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ፡ ምስራሕ መግቢ፡ ከምኡ ውን ናብ ሆስፒታል ብማኪና እናብጽሑ ይድግፍዎም ኔሮም። እቶምጐረባብቲ ኣብ መላእ ዓለምዝተባህሉ ብፍቓዶም ዝደጋገፉ ነቶም ሓደስቲ ጐረባብቶም ኣብቲ ሕብረተሰብ ክጽንበሩ ኽሕግዝዎም ጽዒሮም።

ኣብ ናይዚ ቦታና ህይወት ንጽንብሮም ኢና፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ሰባትኣብ በዓል መዓልቲ ባስቲል፡ ሓድሽ ዓመት። ምስቶም ደቂ ዓዲ ኽንሕውሶም ንኽእለሉ ዕድል እንተሎ ንገብሮ ኢና፡ትብል ሓላፊት ጐረባብቲ ኣብ መላእ ዓለም።

ኣልሳስ ዓሌትነት ዝበዝሖ ቦታ ምዃኑ እየ ሰሚዐ ኔረ፡ ንዓይ ግን ኣየጋጠመንን፡ይብል ካቡካ ካብ ኮንጎ ፍሽኽ እናበለ።

ከንቲባ ኮሄንዴት እቲ ቐንዲ ኣብ ፌረት ዘሎ ጸገም ህዝባዊ መጕዓዝያ ዘይምህላዉ ምዃኑን እቶም ስደተኛታት ዝለመድዎ ኦኣይነት መግቢ ንምርካብ ናብታ 30 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሚልሁስ ምኻድ ስለዘድልን እዩ።

ኣብዚ ሓንሳብ ኣዝዩ ይዝሕል ሓንሳብ ድማ ኣዝዩ ይውዒ፡ይብል ሓደ ናይጄርያዊ ኮተቴ። 

እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ሓደ ናብ መዕቈቢ ስደተኛታት ዝተለወጠ ዝኣረገ ባራካ ናይ ወተሃደራት እዮም ዝቕመጡ። ውጽኢት ዑቕባ ዝሓተቱሉ መመልከቲ ምስተነግሮም ካብቲ ማእከል ክወጹ ኣለዎም። ከም ስደተኛታት ዑቕባ ዝረኸቡ ወይ ድማ እቶም ግዝያዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም፡ ባዕሎም መንበርን ስራሕን ክረኽቡ ትጽቢት ስለዝግበረሎም ካብቲ ማእከል ክወጹ ሰለስተ ወርሒ ይወሃቦም። እቶም ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽጎም ካብ ፈረንሳ ጠቕሊሎም ክወጹ ምልክታ ይወሃቦም። ኣብ 2018 54 ሚእታዊት ናይቶም 141 ናብ ፌረት ዝመጹ ስደተኛታት ከም ስደተኛታት ዑቕባ ተዋሂቡዎም ወይ ድማ ግዝያዊ ዑቕባ ረኺቦም።

TMP – 24/05/2019

Photo credit: ኦስሲቲ/ ሻተርስቶክ

ፌረት፡ ኣብ ዞባ ኣልሳስ ናይ ፈረንሳ እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ