ኢትዮጵያ፥ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት መነባብሮ መጻእቲ ስደተኛታትን ተመላሶን ንምምሕያሽ ይሰርሕ
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ.ኦ.ኤም) ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ኽስደዱ ዝደፍኡ ጠንቅታት ንምጉዳልን ተመላሶ ስደተኛታት ምስ ማሕበርሰቦም ክጽንበሩ ዘጸግሙ መሰናኽላት ንምዝላቕን ዝዕላምኦም ክልተ መደባት ኣውፊሩ።
እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ምስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ወረቐት ዝምስርሕ ‘ፐንዳ’ ዝስሙ ትካል ስምምዕ ብምኽታም ፡ ን 25 ካብ ስዑዲ ዓረብ ንዝተመልሳ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር’ዩ። እተን ስደተኛታት ብ ኣይ.ኦ.ኤም ኣብ ጥቕሚ ንዝወዓሉ ወረቓቕቲ ብምእካብ ናብቲ ወረቐት ዝምስርሕ ትካል ምብጻሕ እዩ ስርሐን።
ትካል ‘ፐንዳ’ ብ መንግስቲ ኖርወይን ኣብ ምፍራይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ወረቓቕቲ ዝግደሱ ኣውፈርቲን ኣብ 2014 ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ዝተጓሕፉ ወረቓቕቲ ንዝኣርያ 7,000 ንኡሳን ነቚጣታት ገንዘብ ከፊሉ ዝእክቦም ወረቓቕቲ ኣብ ምምስራሕ እዩ ዝነጥፍ። ኢትዮጵያ ወረቐት ንምፍራይ ዘድሊዩ ጥረ-ነገራት ንምግዛእ ዓመታዊ ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ወጻኢ ከምእትገብር ዝሕበር ኮይኑ፡ ካብ’ቶም ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም ዝጓሓፉ ወረቓቕቲ ነቲ 10 ሚእታዊት ጥራይ እያ ትምስርሖ። ብኣንጻሩ ኬንያ 15 ሚእታዊት ትምስርሕ።
ብተወሳኺ ፡ ኣይ.ኦ.ኤም ምስ 48 ኣብያተ-ትምህርትን 25 ማእከላት መንእሰያትን ኢትዮጵያ ብምስምማዕ ን 312 ተማሃሮን መምሃራንን ትምህርቲ መዛኑን ናብራ ንምምሕያሽ ዘኽእል ስልጠናታትን ክህብ እዩ።
ኣዕቚባቶ ብዘላ ብዝሒ ስደተኛ ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ምህላዋ ዝንገረላ ኢትዮጵያ ፡ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልን የመንን ምዃኖም ዝንገረሎም ኣስታት ሓደ ሚልዮ ስደተኛታት ይርከቡዋ። ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታትን ሓያሎ ዜጋታት ኢትዮጵያን ናብ ከም ኤውሮጳ፡ ስዑዲን ደቡብ-ኣፍሪቃን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንምብጻሕ ዝዕልሙ እዮም። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ ዝሕይል ዘሎ ኣተሓሕዛ መንግስታት፡ ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ከም ስዑድያ ዝኣመሰላ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብብዝሒ ይጥረዙ ኣለው። ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ካብ መወዳእታ 2017፡ ኢትዮጵያ ወርሓዊ ኣስታት 10,000 ካብ ስዑድያ ንዝጥረዙ ዜጋታታ ትቕበል ከምዘላ’ዩ። እቶም ተመላሶ ዝርካቡ ገንዘቦም ንመጓዓዝያ ስለዘጥፍእዎን ናብ ሃገሮም ጥራይ ኢዶም ስለዝምለሱን ድማ ናብራኦም ከጣይሱን ምስ ሕብረተሰቦም ብዘይጸገም ክጽንበሩን ዘኽእልዎም ሓገዛት ከምዘድልዮም ይንገር።
ኤውሮጳዊ ሕብረትን ካልኦት ኣህጉራውያን መሻርኽትን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንዳተሓጋገዙ እምበኣር ዜጋታት እታ ሃገራት ስራሕ ክረኽቡን መነበብርኦም ከመሓይሹን ዝሕግዝዎም ስልጠናታትን ዕድላትን ኣብ ምኩዋን ይጽዕቱ ኣለው። ስራሕ ኣልቦነት ንኢትዮጵያውያን ዜጋታት ዘይስሩዕ ስደት ክመርጹ ዝገብሩ ካብ ዘለው ሮቓሕቲ እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ (ኣይ.ኤል.ኦ)፡ ስራሕ ኣልቦነት ኣብ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ኣብ 2017 ክሳዕ 7.43 ሚእታዊት ምንባሩ’ዩ።
TMP – 13/11/2018
ስእሊ፥ ኣይ.ኦ.ኤም። ኣብ ትካል መመስርሒ ወርቐት ‘ፐንዳ’ ዝተቖጽራ ኢትዮጵያውያን ተመላሶ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ