ብጸለቕ ስደተኛታት ክጨውዩ ዝጸንሑ ጭፍራ ብፖሊስ ስጳኛ ተኣሲሮም

ብ17 ግንቦት ዘብዐኛ በርጌስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣኽባሪ ድሕነት ስጳኛ ስደተኛታት ካብ ሞሮኮ ተበጊሶም ስጳኛ ኽበጽሑ ኸለዉ እናጨወዩ ገንዘብ ንኸኽፍልዎም ጅሆ ኸምዝሕዙ ዝተጠርጠሩ ጉጅለ ኣሲሩ

እቶም ኣርባዕተ ሞሮካውያንን ሓንቲ ስጳኛዊትን ዝርከብዎም ገበነኛታት ጃላቡ ኣብ ገማግም ካምፖ ደ ኺብራልታር ክዓርፋ እናተጸበዩ ግዳያት ዝዀኑ ኣለልዮም ይጨውይዎም ኔሮም።

እቶም ጭፍራ ገበነኛታት ፈለማ ነቶም ሽዑ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ ስጳኛ ዝርከቡ መቕርቦም ክረኽቡ ኽተሓባበርዎም ክሕግዙ ኸምዝደለዩ ዀይኖም ቀሪቦም ናብ ከባቢ ባሃዲያ ደ ኣልኸሲራስ ወሲዶም ይዳጕንዎም።

ብመሰረት ጸብጻብ ናይቲ ኸባቢ ፖሊስ እቶም ስደተኛታት ናብቲ መዳጐኒ ምስተወስዱ ተሌፎናቶምን ካልእ ኣብ ነብሶም ዝጸንሐ ዋጋ ዘውጽእ ነገራትን ምስተመንጠሉ፡ ካብ ስድርኦም ዝጥለብ ንመልቀቒኦም ዝኸውን ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከውጽኡ ኸምዝኽእሉ ንምውሳን መርመራ ይግበረሎም።

እቶም ጭፍራ ኣስዒቦም ካብ ስድራቤት እቶም ተጨወይቲ ካብ 500 ክሳብ 2,000 ዩሮ ዝበጽሕ መልቀቒ ገንዘብ ይሓቱ።

እቲ መርመራ ፖሊስ ኣብ መወዳእታ ነሓሰ 2017 ፖሊስ ብዛዕባ ምጭዋይ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ምስሰምዑ ዝተበገሰ እዩ።

ፖሊስ ድሮ ሰለስተ ሰብኡትን ሓንቲ ሰበይትን ሞሮካውያን ተቐመጥቲ ስጳኛ ከምኡ ድማ ሓንቲ ስጳኛዊት ሰበይቲ ኣሲሮም ኣለዉ። እቶም ሓሙሽተ ኣባላት እታ ጭፍራ ገበነኛታት ኣብ ዋሕስ ዘየፍቅድ ማእሰርቲ ተታሒዞም ይርከቡ።

እቶም ሰብኡት ነቶም ስደተኛታት ጨውዮም ናብቲ ኣብ ኣልኸሲራስ ዝርከብ ቤት ክወስድዎም ከለዉ፡ እተን ኣንስቲ ይሕልውኦምን ይከታተልኦምን ኔረን።

እቶም ጉጅለ ኽንደይ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ከምዝጨወዩ ዘይፍለጥ’ኳ እንተዀነ፡ ፖሊስ እቲ ናይ መርመራ ስርሒት ቀጻሊ ምዃኑ ይሕብሩ።

ጃልባ ሓለዋ ባሕሪ ስጳኛ ኣብ ማርሳ ኣልኸሲራስ፡ ስጳኛ፥ 2 ግንቦት 2017።

TMP – 27/06/2018