ጥልያን ንስደተኛታት ብዘይመጽለሊን ድሕነትን ዘትርፍ ሓድሽ ሕጊ ኣተኣታትያ

መንግስቲ ጥልያን ሓድሽ ናይ ስደተኛ ሕጊ ድሕሪ ምሕላፉ ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ብዘይመጽለሊን ውሕስነትን ክተርፉ ጀሚሮም ከምዘለው ተገሊጹ። እቲ ብ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ማትዮ ሳልቪኒ ተተሊሙ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ስም እቲ ሚኒስተር ወኒኑ ንተግባራውነት በቒዑ ዘሎ ሕጊ፡ ብ 28 ሕዳር 2018 ብባይቶ እታ ሃገር ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ እዩ ክውን ኮይኑ ።

እቲ “ ብኣዋጅ-ሳልቪኒ” ዝጽዋዕ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ጥልያን ዘሎ ብዝሒ ስደተኛታት ንምጉዳል ተረርቲ ዝበሃሉ ስጒምትታት ዝሓዘለ ኮይኑ’ዩ ቀሪቡ ዘሎ። ምኽልካል ሰብኣዊ ድሕነት ጉዳዮም ንዝተነጽገ ሓተቲ ዑቕባ፥ ዝተናውሐ ግዜ ድጎና ነቶም ኣብ መጻንሒ ማእከላት መጥረዝቲ ዝጽበዩ ስደተኛታት፥ ከም’ኡ ድማ ተወሳኺ ባጀት ንመስርሕ ምጥራዝ ገለ ካብቶም ስጒምትታት ኾይኖም፡ ዜግነቶም ብትውልዲ ዘይኮነ ኢጣልያውያን ዜግነቶም ከሕድጎም ዘኽእል ዝርዝር ገበናት እውን ብንጹር ኣብ’ቲ ሓድሽ ሕጊ ሰፊሮም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ነቶም ኣብ መጻንሒ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት ዝወሃብ ኣገልግሎትን ውሕስነትን እውን ገለ ምቅይያር ተገይሩሎም ኣሎ። ብመሰረት እቲ ሕድሽ ሕጊ፡ መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታትን፡ ጉዳዮም ሰብኣዊ ድሕነት ንኽረክብ ብቑዕ ዝኾኑ ስደተኛታትን ጥራይ እዮም ኣብ’ተን ማእከላት መጻንሒ ቦታን ቀረብ መሰረታዊ ጠለባት ሂወትን ክረኽቡ።

ውሑዳት መዓልታት ድሕሪ’ቲ ሓድሽ ሕጊ ተግባራዊ ምዃኑ፡ ክፍሊ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ኣብ ኣውራጃ ክሮንቴ ፡ 24 ስደተኛታት ካብ’ቲ ዝጸንሑሉ መንበሪ ክፍልታት ክወጽኡ ገይሩ ኣሎ። ክሮንቴ ኣብ ዞባ ካላብርያ እትርከብ ንእሽቶ ኣውራጃ እያ። ምስ’ቶም ካብ መንበሪኦም ናብ ግዳም ዝተሰጒ ስደተኛታት ፡ ጓል ሓሙሽተ ወርሒ ቆልዓ ዝሓዙ ሰብ ሓዳር፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ቆልዓን ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ዝኾና ክልተ ደቅ-ንስትዮን ምንባሮም ይግለጽ።

ፖሊስ መጽዮም ድሕሪ ደጊም ኣብ’ዚ ኣይክትቅመጡን ኢኹም ምስ በሉና፡ አእዛነይ ክኣምና ኣይከኣላን። ኩሉ ንብረትና ወሲዶም ናብ ግዳም ኣውጺኦምና፡” ትብል ብለሲን ዝስማ ኣቐዲማ ግዳይ ጾታዊ ንግዲ ዝኾነት ጓል 31 ዓመት ናይጀርያዊት ስደተኛ ን ጋዜጣ ዘ-ጋርድያን ኣብ ዝሃበቶ ቃል።

“እዚ ርኡይ ጌጋ’ዩ። ኣነ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣሎኒ። ከምዚ እንተኾይኑ ግና ኣብ ሓጺር እዋን ብዘይ ዝኾነ መጽለሊ ክተርፍ እየ ማለት እዩ፡” ትብል ንሳ።

ማሕበር ቀይሕ-መስቀል እቲ ከባቢ ምስ ካልኦት ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ተሓባቢሩ ነቶም ናብ ቃልዕ ዝተደርበዩ ስደተኛታት ግዝያዊ መጽለሊን መግብን ይቕርብ ኣሎ። “እቲ ተርእዮ ናይ ጥዕና ኣይኮነን፡” ዝበለ ሓላፊ ማሕበር ቀይሕ መስከል ኣውራጃ ክሮንቴ ዝኾነ ፍራንሲስኮ ፓሪሲ፡ “ ጽጉማት ሰባት ሱቕ ኢልካ ኣብ ጽርግያ ኣይትድርብዮምን ኢካ። እዚ ቅሉዕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል’ዩ፡” ይብል።

ኣብ ከተማ ፖቴንዛ ናይ ኣውራጃ ባሲልቻታ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ቻሴርታ ናይ ኣውራጃ ቻምፓኛ ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ እዉን ተመሳሳሊ መስገጒቲ ገጢምዎም ኣሎ። ኣብ ዝመጽኡ ሰሙናት እዉን እቲ ተርእዮ ናብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ጥልያን ክልሕም ከምዝኾነ ይንገር።

ወሃቢት-ቃል ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳያ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕራባዊ ኤውሮጳ ዝኾነት ካሬሎታ ሳሚ ብዛዕባ እቲ ግዱድ መስጎግቲ ክትገልጽ እንከላ፡ “ ንምንታይ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ዋላ’ቶም ሕጋዊ ወረቓቕቲ ዝሓዙ ስደተኛታት ካብ ቤቶም ክለቊ ይግበር ኣሎ ክርደኣና ኣይከኣለን፡” ትብል።

ንዕዘቦ ከምዘሎና ግና ፡ እዚ ሓድሽ ስጒምቲ ነቶም ተነቀፍቲ ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነ ንህዝቢ ጥልያን’ውን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝህልዎ’ዩ። እቲ ምንታይ ንሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ሓጺር እዋን ዘይሕጋውያን ወገናት ዝገብሮም ብምዃኑ፡” ትብል ንሳ።

TMP – 14/12/2018

ስእሊ፥ ክሪስቲ ብሎኪን/ ሻተርስቶክ። ሮማ፡ ጥልያን- መስከረም 4, 2018. ግዳም ሓደር ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ኣብ መንገዲ ኣጋር ተጋዲሙ እንዳለመነ።