ኣባላት ጸጥታ ሞሮኮ ኣብ ልዕሊ ደቅ-ንስትዮ ስደተኛታት ዝተፈላለዩ በደላት ይፍጽሙ
ኣብ ሞሮኮ ዝርከቡ ዜጋታት ሃገራት ሳሕለ–ሳሃራ ዝኾኑ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ደቅ–ንስትዮ ብኣባላት ፖሊስን ሓይልታት ምክልኻልን እታ ሃገር ጾታውን ኣካላውን ዓመጻት ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይወርዶም ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰብኣዊ መሰልን ማዕከናት ዜናን ሓቢሮም።
ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ሞሮኮ( AMDH) ኸምኡ’ውን ጉጅለ ተሓለቕቲ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን (GADEM) ዝተባህሉ ክልተ ኣካላት ነቶም ኣብ ሞሮኮ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸሙ በደላት ኣብ ምስናድ ዝርከቡ ኾይኖም፡ ጉጅለ ተሓለቕቲ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዘርገሖ ጸብጻብ፡ ኣብ ወርሓት ነሓሰን ጥቅምትን ጥራይ ከባቢ 7,700 ስደተኛታት ኣብ ሞሮኮ ግዳያት ግዱድ ከምኡ’ውን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን መስጎጒቲን ከምዝኾኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እቲ ኣሃዝ ካብ’ቲ ዝተጠቕሰ ንላዕሊ ከምዝኾነ ዝምጉቱ ወገናት እውን ኣለው።
ኣብ ብሪጣንያ ዝመደብራ ዕለታዊት ጋዜጣ ዘ–ቴሌግራፍ ካብ ስደተኛታት ኣኪባ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ’ዚ ዓመት ኣብ ዝዘርገሓቶ ጸብጻብ’ውን፡ ሓያሎ ደቅ–ንስትዮ ዶብ ሞሮኮ ብዘይጸገም ኽሰግራ እንተኾይነን ካብ ገለ ኣባላት ሓለዋ ዶብ እታ ሃገር ጾታዊ ጠለብ ከምዝቐርበለን ክርዳእ ተኻኢሉ’ሎ።
ሓንቲ ካሜሮናዊት ስደተኛ ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ብሓደ ሰይፊ ዝሓዘ ሞሮካዊ ፖሊስ ከምዝተዓመጸት እዩ። እቲ ፍጻሜ ፡ እታ ስደተኛ ባሕሪ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ታንጂር ምስ ኻልኦት ደቅ–ንስትዮ ብኣሰጋገርቲ ተኣኪበናሉ ዝነበረ ቤት ብኣባላት ፖሊስ ድሕሪ ምውራሩ እዩ ኣጋጢሙ። “ሓደ ኻብቶም ፖሊስ ሰይፊ እንዳወጣወጠ ዝደለዮ እንተዘየኣማሊአ ኽጎድኣኒ ምዃኑ እዩ ኣፈራሪሁኒ፡” ትብል ንሳ።
እታ ግዳይ ድሕሪ ምዕማጻ ሻቡ ናይ ጃልባ ደዪባ ባሕሪ ኽትሰግር ዕድል’ኳ እንተተፈጥረላ ፡ እታ ጃልባ ነዊሕ ከይተጓዕዘት ብኣሃዱታት ሓይሊ ባሕሪ ሞሮካ ስለዝተዓግተት ናብ ዝተበገሰትሉ ኽትምለስ ተገይሩ። ድሕሪ’ቲ ዘይዕውት ፈተነ፡ በቲ ዝወረዳ ዓመጽ ምጥናሳ ስለዝፈለጥ ድማ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝጽበያ ዝነበረ በዓል ቤታ ንካልኣይ ፈተነ ጉዕዞ ተወሳኺ ገንዘብ ከምዘድልያ ብምሕሳው ነቲ ጥንሲ ከተስድዶ ተገዲዳ። እቲ ዝሓለፈቶ ጸገም ክሳዕ ኽንደይ ጸቕጥን ተነጽሎን ፈጢሩላ ምህላዉ ኽትገልጽ እንከላ ፡ “ ዘጋጠመኒ ሽግር ዝርሳዕ ኣይኮነን ፡ በዓል ቤተይ ይኹን ስድራይ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝኾነ ኣፍልጦ የብሎምን፡” ትብል።
ምስ’ታ ካሜሮናዊት ስደተኛ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜን ቦታን ብኻልእ ኣባል ፖሊስ ዓመጽ ዝወረዳ ጓል ሪፓብሊ–ጒኒ ከም ዝገለጸቶ እውን ፡ኣብ’ታ ኣብ ፈለማ ኣብ ጉዕዞ ዝተዓግተት ጃልባ ካብ ዝነበራ ደቅ–ንስትዮ እተን ልዕሊ 60 ሚእታዊት ብኣባላት ፖሊስ ዓመጽ ዝወረደን ከምዝኾና ትግምት ።
ኻልእ ሰኔጋላዊት ስደተኛ’ውን ዶብ ሞሮኮ ኽትጥሕስ ብዝሓዝዋ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ኣብ ዶባዊት ከተማ ጒርጒራት ዓመጽ ከምዝወረዳ ትዛረብ። ንሳ በቶም ኣባላት ሓለዋ ንዝተጠልበ ኽፍሊት ክትከፍል ስለዘይኸኣለት እያ እቲ በድል በጺሑዋ።
ኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደት ናብ ኤውሮጳ ንምግታእ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት 807 ሚልዮን ኤሮ ዝተቐበለትን ፡ ኣብ’ዚ ዓመት ተወሳኺ 107 ሚልዮን ኤሮ በብመድረኹ እትቕበል ዘላን ሞሮኮ፡ ኣብ ልዕሊ ናብ ሃገራ ዝኣትዉን ብመሬታ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ዝምድቡን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘለዋ ኣተሓሕዛ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተረረ ይመጽእ ከምዘሎ ይንገር። ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ጥራይ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ልዕሊ 70,000 ስደተኛታት ኽዓግት እንከሎ ፡ ልዕሊ 120 መርበባት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ–ሰብ ኣዳቒቑ።
መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ናይ’ዚ ዓመት ኣብ ምሕያልን ምትሕግጋዝን ሓለዋ ዶባት ንምስራሕ ዘኽእል ውዕል ምስ ከም ሞሮኮ፡ ቱኒዝያ፡ ሊብያን ግብጽን ዝኣመሰላ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ክኽትሙ ዘለዎም ድሌት ምርግጋጾም ይዝከር።
ብዘይካ’ዚ፡ ሞሮኮ ነቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ናይ’ዚ ዓመት ተነዲፉ ካብ ገለ ሃገራት ምዕራብን ኣባላት ኢውሮጳዊ ሕብረትን ተቛውሞታት ዝገጥሞ ዘሎ ኣህጉራዊ ውዕል ስደተኛታት ንምኽታም ዝቃናዕ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኸተአንግር ምዃና’ውን ይፍለጥ።
TMP – 4/12/2018
ስእሊ፥ ጆ ዋለን/ ዘ–ቴሌግራፍ። መዓስከር ስደተኛታት ኦጅዳ፡ ሞሮኮ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ