ሓይሊ ባሕሪ ሞሮኮ ኣብ ልዕሊ ናይ ስደተኛታት ጃልባ ተዂሲ ብምኽፋቶም ሓደ ትሕቲ ዕድመ ይቖስል
ሓይሊ ባሕሪ ሞሮኮ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣሳፊራ ብሰሜናዊ ክፋል ኣትላንቲካዊ ውቅያን ናብ ስጳኛ እተምርሕ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ጃልባ ብዝኸፈቶ ተዂሲ ወዲ 16 ዓመት ስደተኛ ኣካላዊ መቚሰልቲ ከምዝወረዶ፡ ማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ካብ ሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ ብ 10 ጥቅምቲ ንዝረኸቦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ገሊጹ።
እቲ መጠናዊ መቚሰልቲ ከም ዝበጽሖ ዝተነግረሉ ስደተኛ ናብ ከተማ ታንጂር ናይ ሞሮኮ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ከምእተሰጋገረ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
እታ 58 ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቴንዳ ከዊላ ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ፡ ምንቅስቓሳ ደው ከተብል ካብ ኣሃዱታት ሓይሊ ባሕሪ ናይ መጠንቀቕታ ተዂሲ’ኳ እንተተዋህበ ፡ ደው ክትብል ብዘይምኽኣላ እቲ ሓደጋ ከጋጥም ከምዝኸኣለ’ዩ እቲ ወተሃደራዊ ምንጪ ዚዛረብ። “እታ ሞቶረ ዝተሎግሞላ ጃልባ ንድሕነት ኣብ’ቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝመስል ምንቅስቓሳ ደው ከተብል ብዘይምኽእላ ፡ እቶም ኣባላት ብረታዊ ስጒምቲ ክወስዱ ተገዲዶም፡” ይብል እቲ ወተሃደራዊ ምንጪ። እቲ ምንጪ ወሲኹ፡ እቶም ኣብ ጉዕዞ ዝተዓግቱ ስደተኛታት ናብ ሞሮኮ ብሰላም ክምለሱ ከምእተገብረ የረድእ።
ኣሃዱታት ሓይሊ ባሕሪ ሞሮኮ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ተዂሲ ይኸፍቱ ምህላዎም ይንገር። ብ 25 መስከረም ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጃልባ ብዝኸፈትዎ ተዂሲ ፡ ጓል 22 ዓመት ስደተኛ ህይወታ ክትስእን እንከላ ሰለስተ ካልኦት ድማ ብጽኑዕ ቆሲሎም እዮም።
ካብ 2017፡ መስመር ሞሮኮ ስጳኛ ልዑል ስሕበት ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ዝህቅኑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ወኒኑ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ሊብያ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ጉጅለታት ሰሪቱ ዘሎ ግጭትን ንሱ ዘስዓቦ ዘይውሑስ ኩነታትን ፡ ሓያሎ ስደተኛታት ናብ ከም ሞሮኮ ዝኣመሰላ ተዛማዲ ርግኣት ዘለወን መተሓላለፍቲ ሃገራት ከብሉ ይመርጹ ምህላዎም ይሕበር። ብዘይካዚ ናብ ሞርኮ ዝኣትው ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ’ታ ሃገር ኽኣትው ከለው ዝግደዱዎ ቪዛ ስለዘየለ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉልበታዊ ስራሓት እንዳተዋፈሩ ማእከላይ ባሕሪ ከስግሮም ዝኽእል ገንዘብ ኣብ ምውህላል ከምዝጽዕቱ ይፍለጥ።
ሓይልታት ሞሮኮ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ዝገብርዎ ናይ ኮለላን ሰለላን ንጥፈታት እዳሓየለ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ከም መርኣያ’ዚ ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት ዓሰርተ መዓልታት ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ኣሃዱታት ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ብጠቕላል ኣስታት 675 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣሳፊረን ማእከላይ ባሕሪ ዝሰግራ ዝነበራ 32 ጀላቡ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ከምዝቐየዱ ይንገር። ካብ ጥሪ ክሳዕ ነሓሰ ናይ’ዚ ዓመት እታ ሃገር ልዕሊ 54,000 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ከምዝዓገተት’ውን ይፍለጥ። እቲ ኣሃዝ ካብቲ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገበ ብዝሒ ብ 15 ሚእታዊት ይዓቢ።
ፖሊስ ሞሮኮ ኣብ ውሽጢ መሬቱ ዝረኣዩ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ንምግታእ እውን ቀጻሊ ግፋታትን ገበነኛታት ናይ ምድቓቕ ስርሒታትን ኣብ ምክያድ ይርከብ። ብፍላይ ነቶም ልዑል ሓለዋን ድሩዕ ቀጽሪታትን ዘለውዎም ምስ ስጳኛ ብመሬት ዘዳውቡ ከባቢታት ክጥሕሱ ዝፍትኑ ስደተኛታት ኣብ ምግታእ ቀጻሊ ስራሕ ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሞሮኮ ን ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ፈለማ 2018 ፡ ሓይልታት ሃገሩ ዛጊት 74 ጉጅለታት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ከምዘዳቐቐ ሓቢሩ። ሞሮኮ ዶባታ ንምውሓስ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ዓመታዊ ክሳዕ 200 ሚልዮን ኤሮ እያ ተውጽእ ዘላ።
እቶም ነቲ ጽዑቕ ሓለዋ ዝካየደሉ ዶባ ሰጊሮም ናብ ስጳኛ ዝኣትው ገለ ስደተኛታት’ውን እንተኾነ ዝበኣሱ ጽገማት ከምዝገጥምዎም እዩ ዝንገር። እቶም ስደተኛታት ኣብ ውሑሳት ዘይኮኑ መጻንሒ ማእከላት ተጨቓጪቖም ከምዝዳጎኑን መስርሕ ዑቕባኦም ብኣጋኡ ክጅምሩ ከምዝጽገሙን ጸብጻባት ይሕብሩ።
TMP – 16/10/2018
ስእሊ፡ ሞሮኮ ዎርልድ ነውስ። ናይ ኮለላ ጃልባ ሓይሊ ባሕሪ ሞሮኮ
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ