ሓደ ቤት ፍርዲ ፈረናሳ ኣስገርቲ ንዓመታት ክእሰሩ ፈሪዱ

ሓደ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ክልተ ዒራቓውያንን ሓደ ኢራናውን ካብ ፈረንሳ ናብ እንግሊዝ ብባሕሪ ስደተኛታት ብምስጋር ንማእሰርቲ ፈሪድዎም።

እቲ ኣብ ቦሎኝ ሱር-ሜር ዝርከብ ቤትፍርዲ ንመራሒ ናይቲ ጉጅለ ዝተሓስበ ወዲ 32 ዓመት ዒራቓዊ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክእሰር ፈሪድዎ። እቶም ክልተ ተሓባበርቱ፡ ሓደ ወዲ 30 ዓመት ኢራናውን ካልኣዩ ወዲ 39 ዓመት ዒራቓውን፡ ነፍሲ ወከፎም ዓዓመት ክእሰሩ ተፈሪዶም። ሰለስቲኦም ኣብ መሬት ፈረንሳ ኸይረግጹ ተኸልኪሎም።

ኣካያዲ ስራሕ ሓደ ናውቲ ጃላቡ ዝሽየጦ ድኳን እዩ ብታሕሳስ ንፖሊስ ብዛዕባ እቶም ዘሰክፍ ሸመተ ተነፋሕቲ ጃላቡ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት፡ ቁጽሪ ተሌፎናቶምን ታርጋ መካይኖምን ዘጠቓልል ሓበሬታ ንፖሊስ ሂቡ።

መርመራ ድሕሪ ምክያድ ብ15 ጥሪ ፖሊስ ንኽልተ ኻብቶም ሰባት ኣሲሮሞም። እቲ ሳልሳይ ተሌፎኑ ድሕሪ ምጥላፋ ብዝተኣከበ ሓበሬታ ተታሒዙ ተኣሲሩ። ኣብ ማሕዩር ምስኣተዉ ዝተፈላለየ ዛንታታት እዮም ነጊሮም። ሓደ ኻብኣቶም ምስ መርበብ ኣስገርቲ ዝነበሮ ምትኣስሳር ክእመን ከሎ እቶም ክልተ ግን “ናብ እንግሊዝ ክንበጽሕ ጥራይ ኢና ደሊና ኔርና፡” ኢሎም።

እቲ መርመራ እቶም ሰለስተ ሰባት ካብ ገማግም ባሕሪ ከባቢታት ካሌ፡ ሳንጋት፡ ዊሳን ከምኡ ድማ ኦዲንገን ሾብዓተ ግዜ ብመትረብ እንግሊዝ ናብ ብሪጣንያ ምስጋር ስደተኛታት ዝወደቡ ምዃኖም ደምዲሙ።

“እዞም ክሱሳት ሓንሳብ ኣይኰኑን ኣስጊሮም፡ እዚ ዝተወደበ ጉጅለ ገበን እዩ፡” ትብል ኣኽባሪት ሕጊ ካሚል ጎርላን።

ኣብ ተሌፎን እቲ ወዲ 30 ዓመት ኢራናዊ ሓያሎ ናይ ጃላቡ ሞተር ስእልታት ክርከብ ከሎ፡ ናይቲ ወዲ 30 ዓመት ዒራቓዊ ተሌፎን ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ጥቓ እቲ ናውቲ ጃላቡ ዝሸይጥ ድኳን እያ ትርከብ ኔራ።

ናይቲ ወዲ 32 ዓመት ዒራቓዊ ተሌፎን ኣብቲ ናብ እንግሊዝ ንምስጋር ፈተነ ዝካየደሉ ገማግም ተደጋጋሚ ርክብ ከምዝገበረት ናይ ርክብ ኣሰራታ ኸምዘርኣየ እታ ኣኽባሪት ሕጊ ትገልጽ። ብመሰረት ተጠሊፉ ዝተመልአ ዝርርባቱ፡ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዘይህልወሉ፡ ምስጋር ስደተኛታት የወሃሃድ ከምዝነበረ እታ ኣኽባሪት ሕጊ ተረድእ። እዚ ድማ ኣዛዚ ናይታ ጉጅለ ንሱ ምዃኑ መርትዖ ምዃኑ ተረድእ።

ካብ መወዳእታ 2018 ንነጀው ካብ ፈረንሳ ብባሕሪ ናብ እንግሊዝ ዝካየዱ ፈተነታት ምስጋር ሃንደበት ኣዝዮም ወሲኾም። እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ስደተኛታት ናይ ምስጋር ፈተነ ዘካይዱሉ ኽፋል ፈረንሳ ኣብ 2018 ብጠቕላላ 78 ፈተነታት ክርኢ ኸሎ፡ ኣብ ጥርን ለካቲትን ናይዚ ዓመት እዚ ጥራይ 50 ፈተነታት ተኻይዶም።

ፈረንሳን እንግሊዝን ኣብቲ ዝማዓዶ ወደባተን ዘሎ ምክትታል ኣትሪረን ኣብ ክልቲኡ ገማግም ባሕሪ ዘሎ ሓይሊ ጸጥታ ወሲኸን ንዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ይቈጻጸርኦ ኣለዋ። እቶም ሒደት ናብ እንግሊዝ ክበጽሑ ዝኽእሉ ውን ናብ ፈረንሳ ናይ ምምላስ ዕድሎም ዝለዓለ እዩ።

TMP – 22/03/2019

ስእሊ፦ ሃራልድ ስሚት / ሻተርስቶክ። ጃልባ ሓለዋ ዶባት እንግሊዝ።