ንወደብ ካሌ ዝጠሓሱ ስደተኛታት ተዳጒኖም

ብጥርኑፍ ኣብ ሓንቲ ናብ ዶቨር፡ እንግሊዝ እትኸይድ ኣርማስ ክሳፈሩ ድሕሪ ዝገበርዎ ፈተነ እንተወሓዱ 63 ስደተኛታት ከምዝተዳጐኑ ሰብ መዚ ፈረንሳ ብ3 መጋቢት 2019 ሓቢሮም። እቶም ዝተኣስሩ ኣፍጋናውያን፡ ፓኪስታናውያን፡ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ይርከብዎም።

ብ2 መጋቢት ለይቲ ክሳብ 100 ዝበጽሑ ስደተኛታት ንሓጹር ቀጽሪ ኣፍሪሶም ነቲ ወደብ ጥሒሶም ነታ ናብ እንግሊዝ እትጕዓዝ ኣርማስ ክሳፈርዎ ፈቲኖም።

ሓምሳ ኣቢሎም ዝዀኑ ነታ ብ ‘ዲ ኤፍ ዲ ኤስ ሲ ወይስ’ እትውነን ‘ካሌ ሲወይስ’ እትባህለት ኣርማስ ክሳፈርዎ ኸምዝኽኣሉ ናይቲ ኸባቢ በዓል ስልጣን ዣን-ፊሊፕ ቨናን ንኣዣንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ። እታ ኣርማስ 211 ተጓዓዝትን 75 ሸቃሎን ሒዛ እያ ናብቲ ወደብ በጺሓ።

ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝባን እታ መርከብ ናብቲ ማፋ ኣብ ዘራኽብ ጸቢብ መተሓላለፊ ሓዂሮም ንዝነበሩ ልዕሊ ዓሰርተ ዝዀኑ ስደተኛታት ፖሊስ ለሚኖም ኣውሪዶሞም።

“ክልተ ኻብቶም ስደተኛታት ናብ ባሐሪ ወዲቖም ብቕልጡፍ በቶም ተኸላኸልቲ ሓደጋ ድሒኖም፡” ይብል ቨናን። እቶም ናብቲ ማይ ዝወደቑ ስደተኛታት ሙቐት ሰብነት ሓደገኛ ናብ ዝዀነ ደረጃ ወሪዱ ኔሩ።  

እቶም ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ዝጥቀሙሉ መሕለፊ ናይ እግሪ ተጓዓዝቲ እዮም ሰጊሮም። ነቲ ቦታ ኣቐዲሞም መርሚሮሞ ክዀኑ ኸምዝኽእሉን ናይ ትማሊ ምሸት ስርሒት ብኣስገርቲ ዝተወደበ ከምዝዀነን እየ ኣሚነ፡” ይብል ሓላፊ ማርሳ ዣን-ማርክ ፕዊሰሶ።

ንምውጻእ እንግሊዝ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝምለት ወረታት ነቲ ስደተኛታት እንግሊዝ ክበጽሑ ዘለዎም ህንጡይነት ኣጋዲድዎ ኣሎ። ስብመዚ መንግስቲ እቲ ዓቕሊ ጽበት ንኣስገርትን ስደተኛታትን ሓደስቲ ብልሓታት ክምህዙ ይግድዶም ከይህሉ ስክፍታ ኣለዎም።

መንግስቲ ብሪጣንያ ድሕሪ ምውጻእ እታ ሃገር ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝተረጋገጸ ኣገባብ ኣተሓሓዛ ስደት ለውጢ ኽመጽእ ዝብል ዝዀነ ዝተረጋገጸ ዝነገር የለን። ስለዚ ድማ እቶም ብሪጣንያ ዝበጽሑ ብመሰረት እቲ ስደተናታት ሓላፍነት እታ ፈለማ ዝረግጽዋ ሃገር ምዃኖም ዘነጽር ሕጋገ ዳብሊን ናብ ፈረንሳ ኽምለሱ ተኽእሎ ኣለዎም። ብሪጣንያ፡ ኣብ ጥሪ 2019 ካብ ፈረንሳ ናብ እንግሊዝ ዝኣተዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክትመልስ ጀሚራ

ሚእቲ ስደተኛታት ናብ ሓደ ከም ማርሳ ዝኣመሰለ ውሑስ ቦታ ፈንጢሶም ክኣትዉ ንቡር ኣይኰነ፡” ትብል ከንቲባ ካሌ ናታሻ ቡሻር።

ክሳዕ ንግሆ ምትሕልላፍ መራኽብ ስለዝተዳናጐየ፡ እንተወሓዳ ኽልተ ኣርማሳት ቅድሚ ምዕራፈን ኣብ ባሕሪ ኽጽበያ ተገዲደን።

እቲ ኣጋጣሚ ንጽባሒቱ ኻብቲ ሓደ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ሰልሰተ ኣስገርቲ ንማእሰርቲ ዝፈረደሉ እዩ ኣጋጢሙ። ኣዣንስ ፍራንስ ፕረስ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ፈረንሳ እትርከብ ቦሎኝ ዝርከብ ቤትፍርዲ ነቲ መራሒ ናይቲ ጉጅለ ዝተሓስበ ወዲ 32 ዓመት ዒራቓዊ ንዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ፈሪዱዎ። ሓደ ወዲ 30 ዓመት ኢራናዊ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ወዲ 39 ዒራቓዊ መተሓባብርቱ ኽልቲኦም ንዓመት ክፍረዱ ኸለዉ፡ ሰለስቲኦም ካብ መሬት ፈረንሳ ተኣጊዶም።

TMP – 07/03/2019

ስእሊ፦ ኢየን ስትዋርት/ሻተርስቶክ። ብ’ዲ ኤፍ ዲ ኤስ ሲ ወይስ’ እትውነን መርከብ ኣብ ወደብ ካሌ።