10,000 ስደተኛታት ካብ ግሪኽ ተፋንዮም
ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ ኣብ ናይ 20 ኣዋርሕ ግዜ ብ ሕብረት ኤውሮጳን ግሪኽን ብዝተመወለ መደብ ልዕሊ 10 ሽሕ ስደተኛታት ብመደብ ወለንታዊ ምምላስን ምጽንባርን ናብ ሃገራቶም መሊሱ።
ካብ ሓምለ 2016 ክሳብ ሚያዝያ 2018 ብድምር 10,576 ስደተኛታት ብፍቓዶም ካብ ግሪኽ ናብ 84 ሃገራትን ግዝኣታትን ተመሊሶም፡ ካብኣቶም 2,500 ዝገማገሙ ገንዘባዊ ሓገዝ ተዋሂብዎም።
ሰራሕተኛታት ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኣይ ኦ ኤም) ንመደባትን ትግሃትን ክምለሱ ዝደልዩ መዚኖም፡ ኣብ ግሪኽ ብዛዕባ ዘለዎም ሕጋዊ ኣማራጺታት ኣረዲኦም፡ ከም ልዑል ሕክምናዊ ኽንክን ዘድልዮ ኹነታት ዝኣመሰለ ዝርዝራዊ ጉዳያት ይዝትዩ።
ኣብ ሃገራቶም ብዛዕባ ዘሎ ኹነታት ዝምልከት መብርሂ ምስተዋህቦም፡ ናብ ሃገሮም ንምጥያሶምን ምስ ሕብረተሰብ ዝጽንበሩሉን ዘድልዮም ነገራትን ዝርዝራት ሃገሮምን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣገባብ ይዳለወሎም።
እቶም 2,261 ካብቶም 2,487 ንደገፍ ቁጠባዊ ዳግመ-ጥየሳ ብቑዓት ዝተቘጽሩ ሰባት፡ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ዕቤት ሕብረተሰቦም ከበርክት ዝኽእል ንኣሽቱ ትካላት መስሪቶም።
ሓደ ኻብቶም ተጠቀምቲ ናይቲ መደብ ዝዀነ ካብ ሞሮኮ ዝተሰደደ ፋዲል፡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ኣብ ማራኬሽ መሸጢ ስጋ ኸፊቱ።
“ኣባላት ኣይ ኦ ኤም ግሪኽ ንትካለይ ክመዝንዎ መጺኦም ኔሮም። ትካለይ ጽፉፍን ጽሩይን ምዃኑ ኣዝየ ዀሩዕ እየ፡” ይብል።
“ካብ ከባቢየይ ንጽሬት ዝምልከት ፍቓድ ስራሕ ረኺበ እየ። ኣብዚ ኸባቢ ተመሳሳሊ ድኳናት ስለዘየሎ፡ ትካለይ ጽቡቕ ይሰርሓለይ ኣሎ።”
ኣይ ኦ ኤም ንተመለስቲ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ናብ ሃገሮም መምለሲ በረራን ካብ 500 ክሳብ 1,500 ዩሮ ዝበጽሕ ህይወቶም ንምጅማር ዝድግፎም ገንዘብን የዳልወሎም።
እቲ መደብ ነቶም ኣብ ግሪኽ ዝርከቡ ሰነዳት መንነት ዘይብሎም ዜጋታት ሳልሳይ ሃገር፡ መዕቀሊ ኽወሃቦብ ዘቕረብዎ ሕቶ ዝሰሓቡ ሓትትቲ ዑቕባ፡ ከምኡድማ ሕቶኦም ዝተነጽጎም ሓተትቲ ዑቕባን ዘተኰረ እዩ።
መብዛሕትኦም ተጠቀምቲ ናይቲ መደብ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዑቕባ ኽወሃቡ ዘለዎም ተስፋ ቅሁም ምዃኑን ምጽንሖም ሕጋዊ ጸገማት ክፈጥረሎም ከምዝኽእልን ምስተረድኦም እዮም ዝመርጽዎ።
ግሪኽ ኣብ 2016 ‘ፖሊሲ ምዕጋት’ ብምትግባር ስደተኛታት ናብ ቀንዲ መሬት ግሪኽ ንኸይበጽሑ ብምዕጋት ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ኤጀያ ኣብ ዝርከባ ደሴታታት ኣዕለቕሊቖም ይነብሩ ኣለዉ።
ኣብ መጋቢት ናይዚ ዓመት ዘብዐኛ ሰብኣዊ መሰላት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ዕልቕልቕን ርስሓትን ዘገስረጦ መጻረዪ ማእከላት ደሴታት ግሪኽ ተዓጽዮም ከምዘለዉ ሓቢሩ ኔሩ። ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ንውርጪ ሓጋይ ኣብ ፈኰስቲ ቴንዳታት ወይ ድማ ኣብ ቃልዕ ባይታ እናደቀሱ ኸምዘሕለፍዎ ገሊጹ።
እቲ ምጽራይ ስደተኛታት ንምቅልጣፍ ንስደተኛታት ኣብተን ደሴታት ዝዓጹ ኣገባብ ውጽኢት ናይቲ ኣብ 2016 ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን ቱርኪን ዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ። እቲ ስምምዕ እቶም ብቱርኪ ኣቢሎም ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ግሪኽ ዝበጽሑ ኩሎም ስደተኛታት ናብ ቱርኪ ተመሊሶም እታ ሃገር ክትቅበሎም ዘሰማምዕ እዩ ኔሩ።
ካብ ቱርኪ ዝተበገሱ ስደተኛታት ኣብ ደሴት ኮስ ናይ ግሪኽ ክበጽሑ ኸለዉ፡ 28 መስከረም 2015።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ