ፓርላማ ፈረንሳ ምጽራይ ሕቶ ዑቕባ ዝቃላጠፈሉ ሕጊ ኣሕሊፉ

1 ነሓሰ ባይቶ ፈረንሳ ነቲ ፈረንሳ ድሕሪ ምእታው ዝፍቀድ ዝነበረ ቅድሚ ዑቕባ ምሕታት ክሓልፍ ዝኽእል እዋን ካብ 120 ናብ 90 መዓልታት ዘውርድ ናይ ምቕባል ዑቕባ ሕጊ ኣሕሊፉ።

ፍራንስ24 ከም ዝሓበሮ እቲ ሕጊ ስደተኛታት ዑቕባ ኸምዝግብኦም ዘመልክቱሉ ግዜ ካብ 11 ወርሒ ናብ ሽዱሽተ ወርሒ የውርዶ። እቲ ሕጊ ምጥራዝ ናይቶም ሕቶኦም ዝተነጽገን ምቕባል ናይቶም ጉዳዮም ተቐባልነት ዝረኸበን ዘቀላጥፍ እዩ። እቲ ሓድሽ ሕጊ ብተወሳኺ ወጻእተኛታት ቅድሚ ምጥራዞም ክእሰሩሉ ዝፍቀድ ዝነበረ 45 መዓልታት ናብ 90 ክውስኽ ኣጽዲቑ ኣሎ።

ገለ ኣባላት ባይቶ ነቲ ንስደተኛታት ዝምልከት ሕቶ ኸትርርዎ ኽደልዩ ኸለዉ፡ ካልኦት ድማ እቲ ህጻናት ካብቶም ክጥረዙ ዝዳለዉ ወለዶም ኣብ መዳጐኒ ክሕየሩ ኸለዉ ክፍለይዎ ዝፍቀድ ግዜ ናብ ሓሙሽተ መዓልቲ ኽሓጽር ደልዮም። ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ ፈረንሳ፡ ህጻናት ዘለዎም ስደተኛታት ስድራቤታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ንኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ኣብ መዳጐኒ ብምዕጻዋ ዀኒንዋ እዩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዠራር ኮሎም ኣብ ቅድሚ ባይቶ ኣብ ዘቕረቦ መደረ፡ “እንተዘይግበር ኔሩ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዘጋጥም ዘሎ ኣዛራቢ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ ዑቕባ ዝግብኦም ናይ ምውሳን ዓቕምና ንዕቅብ ኢና ዘለና፡” ኢሉ።

ካብቲ ቀውሲ ስደት ኣብ ኤውሮጳ ዝጀመረሉ እዋናት ኣትሒዙ ፈረንሳን ኢጣልያን ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ዝግበር “ጉዕዞታት ሞት” ንምኽልካል ኣብ ኣፍሪቃ መጻረዪ ዑቕባ ዝኸውን ማእከላት ክትከል ንሕብረት ኤውሮጳ ተማሕጺነን እየን።

ኣብዚ እዋን ሕብረት ኤውሮጳ ዝኽተሎ ሕግታት ዑቕባ ነተን ፈለማ ስደተኛታት ዝረግጽወን ሃገራት እዩ ሓላፍነት ምዕቋቦም ዘሰክመን። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዝሒ ናብ ስጳኛ ዝውሕዙ ይውስኽ እኳ እንተሎ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ መርሓ ኢጣልያን ግሪኽን እየን ዝበርትዐ ተተንክየን።

TMP – 14/08/2018

ስእሊ፦ ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ፓሪስ ናብ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝወሃበሉ ማእከል ክኣትዉ ይጽበዩ