ኣብ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ክልተ ሰሙን ድሕሪ ምጽባዮም ቱኒዝያ ኣብ ሃገራ ኸዕርፉ ኣፍቂዳ
ብ28 ሓምለ ዝተፈነወ ጸብጻባት፡ ኣብ ባሕሪ ንኽልተ ሰሙን ክጽበዩ ዝጸንሑ ሓንቲ ንግዳዊት መርከብ ዘድሓነቶም ስደተኛታት ቱኒዝያ ኽትቅበሎም ፍቓደኛ ከምዝዀነት ኣረዲኡ።
ቱኒዝያ ንሰብኣዊ መኽንያታት ክትብል ነቶም ስደተኛታት ከምዝተቐበለቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ዩስፍ ሻህድ ገሊጹ።
ናይ ማልጣ፡ ኢጣልያን ፈረንሳን መንግስታት ምዕራፍ ምስከልከልኦም፡ እቶም ስደተኛታት ንኽልተ ሰሙን ኣብታ ቱኒዝያዊት ተሰካሚት ነዳዲ ሳሮስት5 ኣብ ጥቓ ወደብ ዛርዚስ ኣብ ደቡብ ቱኒዝያ ዀይኖም ክጽበዩ ቐንዮም። እታ ኣብ ባሕሪ ንዝርከባ መራኽብ ነዳዲ እትቕርብ መርከብ ነቶም 40 ስደተኛታት ብ15 ሓምለ ካብ ሓንቲ ካሮሊን ታይድ ፫ ዝተባህለት መርከብ ጻውዒት ምስተቐበለት እያ ኣድሒናቶም።
ብመሰረት ኣሶሽዬይትድ ፕረስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሻህድ፡ ሃገሩ ነቶም ስደተኛታት ምቕባላ መጻረዪ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ንምኽፋል ዘሎ ድሉውነት መሲሉ ብሕብረት ኤውሮጳ ኽርአ ኸምዘይደልዮ ይገልጽ።
ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንስደተኛታት በቲ ሓደገኛ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ጕዕዞ ኻብ ምሕላፍ ንምኽልካል፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ መጻረዪ ማእከላት ምትካል ዝብል ሓሳብ ክዝትያሉ እየን ጸኒሐን።
“እቲ ናይ ፈለማ ናይ ምድሓን ህይወት ፈተን ኣብ ማያት ማልጣ ስለዘጋጠመ ኣየነይቲ ሃገር ነቶም ስደተኛታት ክትወስዶም ከምዘለዋ ዝምልከት ክትዕ ኔሩ፥” ይብል እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር።
ካብቴን ሳሮስት5 ዝዀነ ዓሊ ሓጅ፡ “ናብኡ ንምብጻሕ ንምብጻሕ ምድንጓይ እኳ እንተነበረ በቲ ውሳኔ ሕጉሳትን ዕጉባትን ኢና፡” ኽብል ድሕሪ ቱኒዝያ መግለጺ ምውጽኣ ን ኤ ኤፍ ፒ መሊሱ።
እቶም ስደተኛታት ናብታ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ቱኒዝያ ዝዓበየት ከተማ መደኒን ናብ ዝርከብ ድሮ 246 ስደተኛታት ተታሒዞምሉ ዘለዉ ማእከል ክውሰዱ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል እዩ።
ብመሰረት ቀይሕ መስቀል ቱኒዝያ፡ እቶም ዝደሓኑ 40 ስደተኛታት ካብ ግብጺ፡ ባንግላዴሽ፡ ካሜሩን፡ ሴኔጋል፡ ጊኒ፡ ኮት ዲቭዋርን ሴራ ሊዮንን ዝተበገሱ እዮም።
TMP – 20/08/2018
ስእሊ፦ ኣይ ኦ ኤም
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ