ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ሰሜን ዳርፉር ጉጅለ ኣስገርቲ ይሕዙ

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ናብ ሊብያ ስደተኛታት ዘስግሩ ዝነበሩ ጉጅለ ኸምዝሓዙ ብ2 መጋቢት ኣፍሊጦም።

ኣማሓዳሪ ሰሜን ዳርፉር ሌተናንት ኮሎኔል ናዒም ኸድር ሓደ ወተሃደራዊ ስለያ ዘካይድ ኣሃዱ 39 ስደተኛታት ናብ ሊብያ ዝወስዱ ዝነበሩ ኣስገርቲ ኸምዝሓዘ ሓቢሩ። እቶም ዝተታሕዙ እንታይ ከምዘጋጠሞም ኣይተነጸረን።

እቲ ቐንዲ ሓይሊ ሚልሻ መንግስቲ ዝዀነ ተወርዋሪ ደጋፊ ሓይልታት ሱዳን ዘይሕጋዊ ስደት ንምዕጋት ብንጥፈት ኣስገርቲ ኽሕዝን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክመልስን እዩ ጸኒሑ

ኣብ መስከረም 2018፡ እቶም ሚልሻ 154 ብሓውሲ ኸተማ መልሓ ኣቢሎም ናብ ሊብያ ዝስደዱ ዝነበሩ ሰባት ሒዞም። ዝበዝሑ እቶም ዝተታሕዙ ኣብ መንጎ 22ን 226ን ዝዕድሚኦም ሱዳናውያን ደቂተባዕትዮ እዮም። ኣላዪ ምርሒትን ኣገልግሎታትን ኣብቲ ተወርዋሪ ደጋፊ ሓይልታት ንኣገልግሎት ዜና ሱዳን፡ ብመሰረት ኣፈናዊ መርመራኦም እቶም መንእሰያት “ኣባላት ግብረሽበራውያንን ኣሉታውያን ምንቅስቓሳትን” ምዃኖም ከምዘመልከቱ ገሊጹ። እቶም ጉጅለ ኣብ ጥቓ ኻርቱም ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኢል-ጀይሊ ተወሲዶም።

ሱዳን ካብ 2016 ኣትሒዛ እያ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደትን መሸጣ ሰባትን ክትቃለስ ጸኒሓ። እቲ ጻዕርታት ውጽኢት ናይቲ ኣብ 2014 ኣብ መንጎ 37 ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣፍሪቃን ዝተብጽሐ ምርድዳእ እዩ። እቲ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝ ንምጥጣሕ ዝዕላምኡ ስምምዕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍጸም ምስግጋርን ምስላዅን ሰባት ንምቅላስ ዝዓለመ እዩ።

ኣብ ሓምለ 2018፡ ኣንጻር ምስግጋር ሰባት ዝዓያ ሽማግለታት ሱዳን ብደገፍ ምወላ ሕብረት ኤውሮጳ ኣንጻር ምስግጋር ሰባት ዝዓለመ ሜላ ንምምዕባል ኣብ ኻርቱም ተራኺበን። ወከልቲ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲ፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳን ኬንያን ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፎም።

እቲ ዋዕላ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ካብቲ ኣብ ጥቓ ትሪፖሊ፡ ሊብያ ኣብ ታጁራ ተኣሲሮም ዝነበሩ እንተወሓዱ 1,500 ሱዳናውያን ስደተኛታት ናይ ምሕሳም መግቢ ኣድማ ዝጀመሩሉ እዩ ተኸፊቱ። እቲ ኣድማ ብዘይክስን ፍርድን ንዝተናውሐ እዋናት ምእሳር ንምቅዋም ዝተኻየደ እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ራድዮ ደበንጋ 221,500 ዝበጽሑ ሱዳናውያን ዜጋታት ኣብ ሊብያ ኣለዉ።

ሱዳን ኣብ 2018፡ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ዝመጹ ብኣሻየጥቲ ሰባት ብጸለቕ ተታሒዞም ዝነበሩ ስደተኛታት ዝርከብዎም ኣማኢት ግዳያት ኣሻየጥቲ ሰባት ሓራ ኣውጺኣ

TMP – 11/03/2019

ስእሊ፦ ክላውድዮ ቪዲሪ/ ሻተርስቶክ። ኣብ ናይ ሱዳን ምድረበዳ ሳሃራ እትርከብ ሓንቲ ዓዲ።